ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህውሓት አካል'ቲ ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምዘይከውን ተገሊጹ


ዶ/ር ሙሉ ነጋ
ዶ/ር ሙሉ ነጋ

ህወሓት ናይቲ ከም ብሓዲሽ ዝትከል ግዚያዊ ምምሕዳር ኣካል ክኸውን ከምዘይፍቀደሉ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ዶ/ር ሙሉ ነጋ ኣብ ዘረብኡ፥ ኣብዚ ሕጂ ኣብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘለዉ መብዛሕቲኦም ብዘይ ሕጊ ዝተመረጹ'ዮም ኢሉ።

ብዝተሓሓዝ ዜና፥ ንህወሓት ድጋፍ ኣብ ምሃብን ብተጽዕኖ ኣብ ልዝብ ክንኣቱን ይሰርሕ ኣሎ ንዝበሎ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ልዕሊኡ ብዛዕባ ዝውሰድ መርገጺ ኣብ ግልጺ ውሳነ ከምዘይተበጽሐ ወሃቢ ቓል ህጹጽ ኣዋጅ ኣምባሳደር ረድዋን ሑሴን ሓቢሩ'ሎ። ኣምባሳደር ረድዋን ኮይኑ ግን መንግስቲ ናይ ቴድሮስ ምንቅስቓስ ይፈልጥ'ዩ ኢሉ ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያን ምንባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG