ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ህውሓት ብተደጋጋሚ ይህቦ ዘሎ መግለጺታት ዝተጋገዩ እዮም' ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ


ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ህውሓት ብተደጋጋሚ ይህቦ ዘሎ መግለጺታት ዝተጋገዩ እዮም ኢሉ ።ናይ ህውሓት መግለፂ ንናይቲ ውድብ ኣሰራሓን ዲሲፕሊንን ዝጠሓሰ ከምዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ሎሚ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እቲ መግለፂ ንዝተጋገዩ መግለጺታት መልሲ ምሃብ ኣድላይ ብዘይምንባሩ ብስቕታ እንተተሓለፈ እውን ጌጋ ሓበሬታታት ብተደጋጋሚ ክወፁ ከለው ዕሽሽ ምባል ኣብቲ ህዝቢ ምድንጋራት ስለዝፈጥር ሓፈሻዊ መረዳእታ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ ይብል ።

ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ህውሓት ኣብ መግለፂኡ ውህደት ውድባት ኣሃዳዊ መንግስቲ ብምምስራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ባዕሎም ብባዕሎም ናይ ምምሕዳር መሰሎም ከምዝምንጥል፣ፈደራላዊ ስርዓት ፈሪሱ ኣሃዳዊ ስርዓት ከምዝምስረትን ዘቕረቦ ሓሳብ ጭቡጥ ዘይኮነ መደናገሪ ሓሳብ እዩ ክብል ነቒፉዎ’ሎ ።

XS
SM
MD
LG