ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ጻውዒት ልዝብ ዝሓዘ ደብዳበ ንዝተፈላለየ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ኣቕሪቡ


ብፈደራል መንግስቲ ኣሸባሪ ተባሂሉ ካብ መዝነቱ ዝተኣልየ፡ ንነብሱ ግን ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምዃኑ ዝገልጽ ዕጡቕ ሓይሊ ክልል ትግራይ፡ “ዋላ’ኳ ኣብቲ ኲናት ልዕልና እንተሃለወና፡ ዘላቒ መፍትሒ ዝመጽእ ግና ብልዝብን ስምምዕ ተዅሲ ጠጠው ምባልን ምስ ዝካየድ’ዩ” ክብል ንዝተፈላለየ ሃገራትን ዓለም-ለኸ ትካላትን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ኣፍሊጡ።

ፌደራል መንግስቲ ብወገኑ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ንህወሓት ብተኹታኹነትን ኵናትን ከሲሱዎ ኣሎ።

ናይዚ መርኣያ ዝጥቀስ ድማ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝተኣወጀ በይናዊ ቶኵሲ ጠጠው ምባል ህወሓት ዝገበሮም ምንቅስቓስ እዩ።

ህወሓት እቲ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ንሰላምን ንናይቲ ክልል ሓረስቶት ናይ ሕርሻ ግዜ ክውዕል ካብ ምግባር እቲ ኵናት ናብ ዓፋርን ኣምሓራን ምስፍሕፋሑን ፌደራል መንግስቲ ይገልፅ።

ክልላዊ መንግስታት ኣምሓራን ዓፋርን መንግስቲ ድሕሪ ዝኣወጆ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ውሳነ ብተደጋጋሚ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፅታት ህወሓት ወራር ከምዝፈፀመ፣ኣብቲ ኵናት ዝኾነ ይኹን ተሳትፎ ኣብ ልዕሊ ዘይብሎም ሰላማዊያን ሰባት ዝለዓለ መጥቓዕቲ ምውራዱ ብዝርዝር ከረድኡ ፀኒሖም እዮም።

ብተወሳኺ ''ኣሸባሪ''ኢሎም ብዝፀውዕዎ ህወሓት ዘረፋን ዕንወት ንብረትን ከምዝተፈፀመ ከሲሶም።

ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኣወጀ በይናዊ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ናይ መወዳእታ ዕድል ከምዝነበረ ዝገለፁ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘየዳግም ኢሎም ዝገለፁዎ ስጉምቲ ምውሳድ ምዃኑ ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።ንዝተፈላለያ ሃገራትን ትካላትን ዝተፅሓፈ ደብዳበ ብዝምልከት ግን ክሳብ ሕጂ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተው ሃበ ቀጥታዊ ምላሽ የለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG