ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት :ዝተዓፀዉ ማዕኸናት ዜና ክኽፈቱ: ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክጅምር ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት ይፈትሑ ክብል ፀዊዑ


ህወሓት ዝተዓፀዉ ማዕኸናት ዜና ክኽፈቱ: ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክጅምር ብተወሳኺ እውን ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት ይፈትሑ ክብል ፀዊዑ::

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ህወሓት ሎሚ ሶሉስ ኣማስዩ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲከኛታት ይእሰሩ ኣለዉ ብምባልተቓውምኡ ገሊፁ::

እቲ ውድብ ንመንግስቲ ፌደራል ብተደጋጋሚ መንግስቲ አብዪ አሕመድ ብምባል ዝገለፆ ኮይኑ: መንግስቲ ንውልቀ መላኻዊ ፕሮጀክቱዕንቅፋት ይኾኑ እዮም ኢሉ ዝኣመነሎም ይኣስር: ይዕፍንን ይርብሽን ኣሎ እዚ’ውን አሓይሉ ይቕፅል ኣሎ ብምባል ከሲሱ::

እቲ ከይዲ ግብረሽበራዊ ተግባር እዩ ብምባል ዝኸሰሰ መግለፂ ህወሓት ሰላማዊ: ሕጋውን ፓለቲካዊ ቃልሲ ሙሉእ ብሙሉእ ዕፅው ክኸውን የኽእሉ እዮም ዝበሎም ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ ኢሉ::

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት ይዕፈኑ ኣለዉ ዝበለ እቲ መግለፂ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፍሉይ ዞባ ኣዲስ ኣበባንኣባል ማእከላዊ ኮሚቴ እቲ ውድብን ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃን ብተወሳኺ: ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎንካልኦት ሰባት ተዓፊኖም ተወሲዶም ብምባል ከሲሱ::

እዚ ከይዲ ዓፈና ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝበለ ህወሓት ዝተዓፀዉ ማዕኸናት ዜና ክኽፈቱ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክጅምር ብተወሳኺእውን ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት ይፈትሑ ክብል ኣተሓሳሲቡ::

ሃገር ካብ ምፍራስ ንምድሓን ኩሉ ዘሳተፈ ሃገርለኸ መድረክ ክካየድ ይግባእ ድማ ኢሉ::

ብኻልእ ዜና ብደረጃ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ምርጫ ዝመርሑ ኣባላት ኮምሽን ምርጫ ብስልኪ ጥቆማ ክወሃብ ምጽንሑ ኣካቢ ኮሚቴምልመላ ኣመራርሓ ኮምሽን ምርጫ ክልል ትግራይ መምህር ኣሰፋ ገብረስላሴ ጥቆማ ሎሚ ቅድሚ ቕትሪ ምዝዛሙ ሓቢሮም ኣለው::

መምህር ኣሰፋ በዚ ድማ 750 ሰባት ብጥቆማ ከምዝተቐበሉ ገሊፆም:: ካብዚኦም እቶም 10 ሰባት መሪፆም ንርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልልከምዘቕርቡ ሓቢሮም:: ሽም እቶም 10 ሰባት ኣብ ማዕኸናት ዜና ክቐርብን ህዝቢ ድማ ርእይትኡ ክህበሉ እዩ ኢሎም::

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ምስ መራሕቲ ውድባት ፖለቲካ ፅባሕ ድሕሪ ቕትሪ ኣብ ጉዳይ እቶም ሕፁያት ክዝትዩ እዩም ዝበሉመምህር አሰፋ ኣብ መወዳእታ 5 አመራርሓ ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ቤት ምኽሪ ቕሪቦም መዝነቶም ክቕበሉ’ዮም ክብሉ ገሊፆም::

ከም ሓበሬታ እቶም ኣካቢ ቦርድ እቲ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ ተኣኪቡ ኣመራርሓ ኮምሽን ምርጫ ክምዝዝ እዩ::

ኣብ ጉዳይ ምርጫ ካብ ኣመራርሓ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን::

እንተኾነ ግን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ምርጫ ከፈፅም ስልጣን ዝተውሃቦ ንሃገራዊ ቦርድ ጥራሕ እዩ ካብዚ ወፃኢ ዝኾነ ዓይነት ከይዲ ዘይሕገመንግስታዊ ብምባል ክቓወም ምጽንሑ ይፍለጥ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG