" ህወሓት ኣብ ዝኣተውዎ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ብርክት ዝበለ መኻዚኖታትና ከም ዝዘመትዎን ምሉእ ንምሉእ ጥርሑ ከምዘትረፍዎን መረጋገጺ ኣለና " ክብል ዳይሬክተር ትካል ሓገዝ ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ኣብ ኢትዮጵያ ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ::
ንባዕሎም ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ኢሎም ዝጽውዑ፡ መንግስቲ ግን ኣሸበርቲ ዝብሎም ዕጡቓት፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንመኻዚኖታት ትካል ረድኤት መንግስቲ ኣመሪካ ከምዝዘረፉ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ዩኤስኤኣይዲ ሻን ጆንስ ኣፍሊጡ።
ሮይተርስ ከምዝሓበሮ እቲ ዳይሬክተር ዩኤስኤኣይዲ፡ ምስ መንግስታዊ ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ "ህወሓት ኣብ ዝኣተውዎ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ብርክት ዝበለ መኻዚኖታትና ከም ዝዘመትዎን ምሉእ ንምሉእ ጥርሑ ከምዘትረፍዎን መረጋገጺ ኣለና " ኢሉ።
"ከም እምነተይ፡ ህወሓት ኣዝዩ በለጸኛ ኮይኑ ጸኒሑ`ሎ"።
ሮይተርስ ብዛዕባ'ዚ ካብ ህወሓት ኮነ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ርእይቶኣይተረኽበን ይብል ።
" ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ኢድ ምእታው ኮነ ምስራቕ ቅቡል ኣይኮነን ዝበለ ወሃቢ ቓል ዩኤስኤኣይዲ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩናት ካብ ዝጅምር ብኩሎም ወገናት ናይ ምዝራፍ ኣብነታት ርኢና ኢና" ኢሉ።
ኣብ ክልል ትግራይ ኣስታት 900 ሺሕ ዝኾኑ ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ዝርከቡ ክኾኑ ኸለዉ፡ ሓሙሽተ ሚልየን ካልኦት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽበዩ ምዃኖም ዩኤስኤኣይዲይግምት::