ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ኣብ ከተማ ኣብዓላ ብዝፈነዎ ሓድሽ መጥቓዕቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተፈናቒሎም ክብል ከንቲባ'ታ ከተማ ሓቢሩ


ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር - ፋይል
ዕጡቓት ፍሉይ ሓይሊ ዓፋር - ፋይል

ህወሓት ኣብዚ ቀረባ ብዝፈጸሞ ሓዲሽ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ከባብታት ከተማ ዓፋር ዝኾነት ኣብዓላ ተፈናቒሎም ኣለዉ ክብል ከንቲባ ከተማ ኣብዓል ጣሂር ሓሰን ንድምጺ ኣመሪካ ተዛረቡ።

ኣቶ ጣሂር ሓሰን ኣተሓሒዙ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ከይቅጽል ኣብ ዝተኣዘዘሉ እዋን፡ ህወሓት ንመንበሪ ሰላማውያን ሰባት ብኸቢድ ብረት ምድብዳቡ ቀጺሉ`ሎ ብእግረኛ`ውን ይፍትን ኣሎ ግን ኣይክኣለን ተመሊሱ`ሎ ኢሉ።

ኣብዓላ ንመተሓላለፊ ረድኤት ኣብ ዘገልግል መስመር ሰመራ፡ኣብዓላ፡መቐለ ትርከብ ክትከውን ከላ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ትማሊ ክሱ፡ ህወሓት ኣብ መስመር መተሓላለፊ ሰብኣዊ ረድኤት ፡መጥቃዕቲ ከፊቱ ኢሉ ኔሩ`ዩ። መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ናብ ትግራይ እንኮ መተሓላለፊት ረድኤት ዝኾነት ኣብዓላ ህወሓት መጥቃዕቲ ምኽፋቱ ኣስደሚሙኒ`ዩ ይብል።

ኣብ ክልል ዓፋር ትርከብ ከተማ ኣብዓላ፡ ካብ ከተማ መቐለ ኣብ 40 ኪ.ሜ ርሕቐት ከም ትርከብ ይፍለጥ። ኣብዓላ ክሳብ 50 ሺሕ ዝግመት ተወላዶ ትግራይን ዓፋርን ካልኦትን ዝነብሩላ ናይ ንግዲ ከተማ ምዃና`ውን ኣቐድም ኣቢሎም ዝወጹ ናይ መንግስቲ ቆጸራ ህዝቢ የመልክቱ።

XS
SM
MD
LG