ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ኣብ ልዕሊ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ከቢድ ዕንወት ምውራዱ ፕረዚደንት'ቲ ዩኒቨርሲቲ ሓቢሩ


ዩኒቨርሲቲ ወልድያ
ዩኒቨርሲቲ ወልድያ

ኣብ ሰሜን ወሎ ትርከብ ከተማ ወልድያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህወሓት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶ ፕረዚደንት`ታ ዩኒቨርሲቲ ኣቶ ኣበበ ግርማ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ኣቶ ኣበበ ግርማ ብዛዕብኡ ክገልጽ ከሎ፡ ሓይልታት ህወሓት ልዕሊ 6 ቢልየን ብር ዝግመት ንብረት`ቲ ዩኒቨርሲቲ ዘሪፎምን ኣዕኒዮምን`ዮም ብምባል እቲ ዩኒቨርሲቲ ስርሑ ዳግም ክጅምረሉ ናብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ `ሎ ኢሉ።

ሓደ ሽሙ ክግለጸሉ ዘይደለየ ነባሪ ወልድያን ኣባል`ቲ ዩኒቨርሲቲን ዝኾነ ሰብ ብወገኑ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ሓይልታት ህወሓት ካብ ፖለቲካ ናጻ ኣብ ልዕሊ ዝኾነን ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብምንጪ ፍልጠት ዘገልግልን ዩኒቨርሲቲ ዝፈጸምዎ ተግባር ብገበን ዘሕትት ጥራይ ዘይኮነ ብታሪኽ`ውን ዘውቅስ`ዩ ኢሉ።

ህወሓት ቅድሚ ሎሚ ከምዚ ዓይነት ዝቐረበሉ ክስታት ኣሉታዊ መልሲ ምሃቡ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG