ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ንዝመጽእ ቀዳምን ሰንበትን ህፁፅ ውድባዊ ጉባኤ ከካይድ'ዩ


ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ንዝመጽእ ቀዳምን ሰንበትን ህፁፅ ውድባዊ ጉባኤ ከካይድ እዩ::

እቲ ጉባኤ "ጉባኤን ፅንዓትን መኸተን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ከምዝካየድ ተፈሊጡ’ሎ:: ኣብዚ ዝተፀወዐ ህፁፅ ውድባዊ ጉባኤ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ውህደት ብልጽግና ፓርቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከሕልፍ ትፅቢት ይግበረሉ::

እዚ ጉባኤ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣብ ታሪኹ እዩ ፈላማይ ህፁፅ ጉባኤ እዩ:: ኣብቲ ጉባኤ 1066 ጉባኤተኛታት ክሳተፉ ትፅቢት ይግበር:: ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ናብ ሓዱሽ ውድብ ብልፅግና ንዘይምእታው ብኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕን ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ንዝተመሓለለፈ ውሳነ ተሳተፍቲ ከምዝድግፍዎ ምግላጾም ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ህወሓት ንዝመጽእ ቀዳምን ሰንበትን ህፁፅ ውድባዊ ጉባኤ ከካይድ'ዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:19 0:00


XS
SM
MD
LG