ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ህወሓት ንኣምሓራ ምጥቃዕ፥  ከም ናብ ስልጣን ምምላስ ጌሩ ቖጺርዎ'ሎ'ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ


ባህርዳር
ባህርዳር

ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ ናብ ክልል ኣምሓራ እንተሓሊፍና ፥ ህወሓት ንኣምሓራ ምጥቃዕ፥ ከም ናብ ስልጣን ምምላስ ጌሩ ቖጺርዎ'ሎ ክብል ከሲሱ ።

እቲ ፓርቲ ወሲኹ ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ኦሮሚያ ኾነ ኣብ ካልኦት ከባብታት ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ብናይ ሕወሓት ኢድ ኣዙር መጥቃዕቲ'ዪ ኢሉ ።

ብልጽግና ፓርቲ ክልል ኣምሓራ ኣተሓሒዙ፡ ኦነግ ሸኔ ኾነ ካልኦት ጸረ ህዝቢ ጉጅለታት፥ ብዘይ ናይ ህወሓት ናይ ፕሮፓጋንዳ፥ ዕጥቅን ፋይናንስን ድጋፍ፡ ክሳብ ክንድ’ዚ ንፈደራልን ንኽልልን ኣይመጸገሙን ኔሮም ኢሉ ።

ብኻልእ ወገን፥ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ(ኣብን)፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ኣበየ ቦትኡ ዝፍጸም ዘሎ ዓሌት ናይ ምጥፋእ ገበን፥ ደው ከብሎ ብዘይምኽኣሉ ምሉእ ንምሉእ ሓላፍነት ዝወስድ መንግስቲ' ዩ ኢሉ'ሎ።

ምኽትል ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ንመንግስታዊ ሚድያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥

ነቲ ጸገም ዝምጥን ፍታሕ ብነባሪነት ንምምጻእ ዘድሊ ዘበለ ኩሉ ክግበር'ዩ ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፥ ልዕልና ሕጊ ንኽረጋገጽ፥ ከምኡ'ውን ንኹሎም መጥቃዕትታት ንምምካት ናይ ህዝብን መንግስትን ውሁድ ምርብራብ ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽል'ዩ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG