ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት፡ ህዝቢ ትግራይ ኣንጻር ሓይልታት ኢትዮጵያ ክኸትት ጻውዒት ኣቕሪቡ


መቐለ -ፋይል
መቐለ -ፋይል

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነሃረሉ እዋን ህወሓት፡ ህዝቢ ትግራይ ኣንጻር ሓይልታት ኢትዮጵያ ክኸትት ጻውዒት ኣቕሪቡ። ካብ ማእከላይ እዚ ትግራይ ዝወጸ ዝብል መግለጺ፡ እዚ ተፈንዩ ዘሎ ዳሕራዋይ መጥቃዕቲ፡ ህወሓት ንዓለምለኸ ጻውዒት ሰላም ኣብ ዝተቐበለሉ እዋን`ዩ ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ንዳግም ምጅማር ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንህወሓት ክኸስስ ጸኒሑ`ዩ። ንጻውዒት ሰላም ብምንጻግ'ውን ከሲሱ።

ክልቲኦም ወገናት ነቲ ነሓሰ 24 ዝደገሰ ኲናት መን ጀሚርዎ ኣብ ዝብል ነንሕድሕዶም ይካሰሱ። ብዛዕባ ጠንቂ ምድጋስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ርእይትኡ ክህብ ዝተሓተተ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ማይክ ሃመር፡ መቐለ ንዝበጸሓሉ ዳሕራዋይ ዑደቱ ብምውካስ "ኣብ ነሓሰ 2 ምስ ብጾተይ ኮይነ መቐለ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን፡ ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይ፡ ንተጻብኦታት ይቀራረቡ ከምዝነበሩ ግልጺ`ዩ ኔሩ፡ንሱ ድማ ኣገልግሎታት ናብ ትግራይ ዘይኣቱ እንተኾይኑን ስቓይ ትግራዎት በዚ ዘለዎ ሕማቕ ዝቕጽል እንተኾይኑን ብዝብል`ዩ" ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጀማሪ ኲናት ብዘይምኹናን ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክነቅፍ ጸኒሑ`ዩ።ኣብ ፈረንሳ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሀኖክ ተፈራ “ክልተ ተቐናቐንቲ ወገናት ፡እቲ ሓደ ግዳይ እቲ ሓደ ግን ወራሪ እናሃለዉ ኣብ ሓደ ሚዛን ተቐምጦም እንተኾይንካ፡ ጸገም ኣለካ"ኢሉ ።

ህወሓት ንኤርትራ`ውን ምሉእ ወራር ብምግባር ከሲሱ`ሎ፡ ካብ ኤርትራ ነዚ ዳሕራዋይ ክሲ ዝምልከት ቀጥታዊ መልሲ ኣይተረኽበን።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለታት ብወገን ትግራይ ወሃብ-ቃል ህወሓትን ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ንህሉው ምዕባለታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብወገን ኤርትራ ምስ ሓይልታት ፈደራልን ሰራዊት ክልል ኣምሓራን ንዝወረዶም ዘሎ መጥቃዕቲ “ንምክት ኣለና” ክብል ተዛሪቡ። “ጸላእቲ ትግራይ ንምብርካኽ ኩሉ ዝከኣሎም ሓይሊ ኣውፊሮም ኣለዉ” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ብዛዕባ ብመርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ውን ጠቒሱ ነይሩ። ኣቶ ጌታቸው በቲ ኮሚተ ብሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጺሞም ዝተባህሉ ከበድቲ ጥሕሰታት ውድቡ ከም ዝሰማምዓሎም ድሕሪ ምግላጽ፡ ብዛዕባ ብትግራይ ተፈጺሙ ዝተባህለ ግን ዓበይቲ ዕቃበታትን ዓቢ ፍልልያትን ከም ዘሎ ጠቒሱ። ወሲኹ እቲ ወሃብ-ቃል እቲ ጉዳይ ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ከም ዝዕድሙ ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ኤርትራ ናብቲ ግጭት ምእታዋን ኣብ ክልል ትግራይ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ምኽፋታን ህወሓት ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ማይክ ሃመር`ውን ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ምእታዎም ሃገሩ ከም እትፈልጥ ብምግላጽ ንዕኡ ኮኒኑ`ሎ።ማይክ ሃመር “እዚ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከም ዝኾነን ደው ክብል ከምዘለዎን ምስ ኣስመራ ብቐጥታ ክዘራረቡ ዝኽእሉ ኣካላት ከፍልጡ ነተባብዕ" ኢሉ ።

ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘይምኽኑይ ዘረባ`ዩ ተዛሪቡ ኢሉ። ኣስዒቡ፡ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፡” ናይ ህወሓት ዘይቅየር ወተሃደራዊ ዕላማ፡ ብምስጢር ሒዝዎ ምጽንሑ ደንጉዩ ኣሚኑ`ሎ" ክብል ገሊጹ።

ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝገበሮ ዑደት ኮነ ድሕሪ ዑደቱ ብዛዕባ ዝሃቦ መብርሂ፡ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ካብ ህወሓት ክሳብ ሕጂ ዝተባህለ ነገር የለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ`ዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዝርከበሉ ደረጃን ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG