ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንጸት 134 ኪ.ሜ በዓል ክልተ መስመር ቅጥራን ጽርግያ ኣስመራ -ሓበላ-ኣቑርደት ብወግዒ ተጀሚሩ

ካብ ከባቢ ኣስመራ ዓዲ-ጓዕዳድ ክሳብ ኣቑርደት ዝዝርጋሕ ንዞባታት ማእከልን ጋሽ ባርካን ዘራኽብ 134 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ቀዳማይ ክፋሉ ብወግዒ ተጀሚሩ።

ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ሻባይት ኣብ ገጻቱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ እዚ ብቻይናዊ ኩባንያ ‘ስፌኮ’ ዝስራሕ ዘሎ በዓል ክልተ መስመር ጽርግያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ካብ ኣስመራ ንከተማ ከረን ቆሪጹ ንዞባ ጋሽ ባርካ ዝኣትው ጽርግያ ጽበትን እርጋንን ስለዘለዎ፡ንተሽከርከርቲ የጸግም ከምዘሎ ብምሕባር፡እዚ ሕጂ ዝብገስ ዘሎ ደርጅኡ ዝሓለወ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ነቲ ጸገም ዝፈትሕን ነቲ ርሕቐት’ውን ብ20 ኪ፡ሜ ዝጉድልን ከምዝኮነ ተገሊጹ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ህንጸት 134 ኪ.ሜ በዓል ክልተ መስመር ቅጥራን ጽርግያ ኣስመራ -ሓበላ-ኣቑርደት  ብወግዒ ተጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:15 0:00



This item is part of
​
XS
SM
MD
LG