ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንጸት 134 ኪ.ሜ በዓል ክልተ መስመር ቅጥራን ጽርግያ ኣስመራ -ሓበላ-ኣቑርደት ብወግዒ ተጀሚሩ


ካብ ከባቢ ኣስመራ ዓዲ-ጓዳድ ክሳብ ኣቑርደት ዝዝርጋሕ ንዞባታት ማእከልን ጋሽ ባርካን ዘራኽብ 134 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ቀዳማይ ክፋሉ ብወግዒ ተጀሚሩ

ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ሻባይት ኣብ ገጻቱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ እዚ ብቻይናዊ ኩባንያ ‘ስፌኮ’ ዝስራሕ ዘሎ በዓል ክልተ መስመር ጽርግያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ካብ ኣስመራ ንከተማ ከረን ቆሪጹ ንዞባ ጋሽ ባርካ ዝኣትው ጽርግያ ጽበትን ርጋንን ስለዘለዎ፡ንተሽከርከርቲ የጸግም ከምዘሎ ብምሕባር፡እዚ ሕጂ ዝብገስ ዘሎ ደርጅኡ ዝሓለወ ናይ ራን ጽርግያ ነቲ ጸገም ዝፈትሕን ነቲ ርሕቐትውን ብ20 ኪ፡ሜ ዝጉድልን ከምዝኮነ ገሊጹ`ሎ

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG