ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንጸት መስመር ዓሰብ ርክብ ንግዲን ማሕበራዊ ምትእስሳር ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሕይል'ዩ ተባሂሉ


ፋይል

ምስ ናይ ኤርትራ ወደብ ዓሰብ ንምርኻብ ተሓሲቡ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ጽርግያ፡ ንርክብ ንግዲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሐይልን ማሕበራዊ ምትእስሳር ክልቲኤን ሃገራት ዘደልድልን ምዃኑ ነቲ ፕሮጀክት መሪቓ ዝኸፈተት ሚኒስትር መጉዓዝያ ኢትዮጵያ ዳግማዊት ሞገስ ኣፍሊጣ።

ብፍላይ ንህዝቢ ዓፋር ድማ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ረብሕኡ ልዑል ምዃኑ ተገሊጹ`ሎ።

እቲ 71.6 ኪሜ ዝንውሓቱ ካብ ሜሎዶኒ ምስ ማንዳን ቡሬ ዘራኽብ ጽርግያ፡ ብ2.8 ቢልየን ብር ወጻኢ ዝስራሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ንወደባት ዓሰብን ታጁራን ብቐሊሉ ዘራኽብ`ዩ ተባሂሉ`ሎ።

ብሸነኽ ኤርትራ ካብ ቡሬ ክሳብ ዓሰብ ዘሎ 70 ኪ.ሜ ጸሊም ጽርግያ ግን ኣቐዲሙ ምስርሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ።

78 ኪ.ሜ ዝንውሓቱን ካብ ዲቺኦቶ ክሳብ ኤሊደሃር ከምኡ`ውን በልሆ ዘሎ መንገዲ `ውን ኣቐድም ኣቢሉ ተዛዚሙ ዝተመረቐ ምዃኑ ተፈሊጡ`ሎ ።

XS
SM
MD
LG