ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንድን ቻይናን ብጉዳይ ትሑት ዝብቕዓቱ ናውቲ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ይሰሓሓባ


መርመራ ቫይረስ ኮሮና
መርመራ ቫይረስ ኮሮና

ህንድን ቻይናን ኣብ ጉዳይ ትሑት ዝብቕዓቱ ናውቲ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና 19 ኣብ ምስሕሓብ ኣትየን

ህንዲ ብቕዓቱ ዘየማልአ ናውቲ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና 19 ናይ ቻይና ብምሕሳማ፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ቁጥዐ ፈጢሩ። ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ህንዲ ውሳነ ምሕሳም ህንዲ ንናውቲ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና 19 "ዘይፍትሓውን ዘይሓላፍነታውን" ክብል ኮኒንዎ ኣሎ።

መንግስታዊ በዓል ስልጣን ሕክምናዊ መርመራ ህንዲ፤ ንመኸተ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብታ ሃገር ሓላፍነት ወሲዱ ዝሰርሕ ዘሎ በዓል መዚታ ሃገር ክኸውን እንከሎ: ኩሉቲ ማለት ብመገዲ ክልተ ትካላት ቻይና ተሺሚቱ ናብ ህንዲ ዝኣተወ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና 19: ብዘርእዮ ዘሎ ናይ ብቕዓት ምጉዳል ምልክታት ተሳሒቡ ናብ ቻይና ክምለስ መደብ ኣውጺኡ ይሰርሓሉ ምህላው ኣፍሊጡ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ህንዲውን እንተኾኑ: ካብ ቻይና ንዝተዓደገን ኣብ ኢዶም ንዝርከብን ናውቲ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ከይጥቀሙሉ መተሓሳሰቢ ከምዝቐረበሎም ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣቐዲሙ ሓደ ትካል ቻይና ንስጳኛ ዝሸጦ ብኣሽሓት ዝቑጸር ትሑት ዝብቕዓቱ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ክመልሶ ከምዝተሰማምዐ ይዝከር። እቲ ቻይናዊ ትካል ነቲ ንስጳኛ ዝሸጦ ትሑት ዝብቕዓቱ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ስሒቡ ብሓድሽ ክትክኦ ዝተሰማምዕ: ሰበ ስልጣን ጥዕና ስጳኛ ኣብ ጉዳይ ብቕዓት ናይቲ ካብ ቻይና ዝሸመትዎ ናውቲ መመርመሪ ቫይረስ ኮሮና ዘይዕግበቶም ድሕሪ ምግላጾም እዩ።

XS
SM
MD
LG