ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ ዘቤታዊ ሰሚ-ኮንዳክተር ንምቛም ዘለዋ ህንጥዩነት መተባብዒ ይረክብ


ፋይል
ፋይል

ህንዲ ዘቤታዊ ፋብሪካ ሰሚ-ኮንዳክተር ንምቛም ዘለዋ ህንጥዩነት፡ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ብናይ ሓደ 'ፋክሰን' ዝተባህለ ናይ ታይዋን ኩባንያን፡ 'ቨንዳታ' ዝተባህለ ናይ ህንዲ ኩባንያን ናይ 19.5 ቢልዮን ዶላር ኢንቨስትመንት ተተባቢዑ`ሎ።

እተን ኩባንያታት ኣብ 2024 ነቲ ንመሳርሕታት ኤለክትሮንክስን ካልኦት ቴክኖሎጅካዊ ውጽኢታትን ዘገልግል ቺፕ ከፍርያ መዲበን ኣለዋ።

እተን ኩባንያታት ኣብ ዓዲ ቀዳማይ ሚንስተር ናረንድራ ሞዲ ዝኾነት ግዝኣት ጉጃራት`የን ነቲ ፋብሪካ ክተኽልኦ መዲበን ዘለዋ። ኣብ 2024 ድማ ምፍራይ ክጅምራ ይሕልና። ቀዳማይ ሚንስተር ሞዲ፡ ንድልየት ምፍራይ ሰሚ-ኮንዳክተር ህንዲ ኣብ ምዕባይ ኣገዳሲ ስጉምቲ'ዩ ክብል ገሊጽዎ`ሎ።

ህንዲ ብፍላይ ድማ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ19 ሕጽረት ቀረባት ቺፕ ማለት ንጥረ-ነገር ኤለክትሮንክስ ስለዝነበረ ነቲ ካብ ን'ስማርትፎን' ክሳብ መካይን ዘገልግል ዘመናዊ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሕታት ኣብ ምፍራይ ኣብቲ ግሎባላዊ ውድድር ካብ ትኣቱ ውዕል ሕድር ኢላ።

ህንዲ ንኣፍረይቲ ሰሚ-ኮንዳክተር ንምስሓብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ናይ 10 ቢልየን ዶላር ባጀት ሰሊዓ`ያ። ዛጊት ንዝበዝሐ ጠለብ ሰሚ-ኮንዳክተር ዓለም ዘቕርባ ዘለዋ ብቻይና ታይዋንን ደቡብ ኮርያን ዝምርሓ ውሕድ ዘበላ ሃገራት ምብራቓዊ እስያ`የን። ብርክት ዝበላ ሃገራት ሕጂ ኣብ ቀረብ`ቲ መሳርሒ ካብ ዓለማዊ ተጸጋዕነት ብምውጻእ ናተን ክተኽላ ይደልያ ኣለዋ። ብፍላይ ድማ ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ19፡ ኲናት ሩስያ ኣብ ዩክሬን፣ ከምኡ`ውን ኣብ መንጎ ቻይናን ምዕራባውያንን ውጥረት እናሓየለ ክኸይድ ብምጅማሩ፡ ሕጽረት ምህርቲ ሰሚ-ኮንዳክተር ከይስዕበን ሰጊአን`የን።

“ንመጻኢ ኣብ ቁጠባ ዘተኮረ ኲናት ከይሕይል ሻቕሎት`ሎ፡ ብምፍላይ ንኣገደስቲ ዝኾኑ ንጥረ ነገራት ኣብ ቻይና ጥራይ ምምርኳስ ከይህሉ ዝብል`ውን ኣሎ። ዲን ቤት ትምህርቲ ዓለማዊ ጉዳያት ጂንዳል፡ ስሪራም ቻውላስለዚ ህንዲ ናይ ባዕላ ማእከል ፋብሪካ ሰሚ-ኮንዳክተራት ኮይና ክትወጽእ`ያ ትፍትን ዘላ” ይብል።

ንሱ ንድምጺ ኣመሪካ ክዛረብ “ህንዲ ንገለ ሃገራት ከም ናይ ቻይና ኣማራጺ ኮይና ክትሰርሕ ከም ትኽእል`ዩ መንግስቲ ህንዲ ዝኣምን" ይብል።

ህንዲ ብመዳይ ሶፍትወር ተክኖሎጂ ቅድሚት እንተኸደት`ኳ ብምፍራይ ኤለክትሮንክስ ግን ተሪፋ ከምዘላን ንሱ ድማ ብምኽንያት ድኹም ትሕተ ቅርጺ ምዃኑ ይእመን። ሓደ ንትካላት ፋብሪካ ኣጸጊምወን ዘሎ፡ እኹል ስፍሓት ዘለዎ መሬት ኣብ ህንዲ ክረኽባ ስለዘይክእላ`የን። ህንዲ ግን ካልእ መኽሰብ ከኣ ኣለዉዋ። ኣብ ግሎባላዊ ካምፓኒታት ዝሰርሑ ኣሸሓት ናይ ሰሚ-ኮንዳክተር ዲዛይን ኢንጂነርታት ኣለዉዋ።

ሚንስተር ኢንፎርመሽን ተክኖሎጅን ኤለክትሮንክስን ህንዲ ኣሽዊኒ ቫይሽናቭ`ዩ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ንሓደ ጉባኤ ንግዲ ክዛረብ ከሎ“ኣብ ዝቕጽል 5 ወይ 6 ዓመታት፡ ቀንዲ መደበር መስርሒ ሰሚኮንዳክተር ዓለም ክንክወን ኢና። እቲ ዘለና ዓቕሚ ኣብ ናትና ፋብሪካታት ሰሚኮንዳክተር ክንጥቀመሉ ንኽእል ኢና” ኢሉ።

ሕጂ ኩባንያታት 'ፋክሰን'ን 'ቨንዳታ'ን ዘስምዕኦ ወፍሪ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሰሚኮንዳክተር ካብ ዝተሰምዐ ዝዓበየ `ዩ።

ኣቦ-መንበር ኩባንያ ቨንዳታ ኣኒል ኣጋርዋል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ “ህንዲ ናይ ባዕላ ሲሊከን ቫሊ ክህልዋ ሓደ ስጉምቲ ቀሪባ`ላ” ኢሉ። እቲ ፕሮጀክት 100 ሺሕ ናይ ስራሕ ቦታ ክኸፈት ትጽቢት ኣሎ።

ምኽትል ፕረዚደንት ታይዋናዊ ኩባንያ ፋክሰን "ምምሕያሽ ትሕተ ቅርጽን፡ ናይ መንግስቲ ንጡፍን ሓያልን ድጋፍን፡ ፋብሪካ ሰሚኮንዳክተር ኣብ ምትካል ምትእምማን ኣሕዲሩልና`ሎ"ኢሉ።

ናይ ሲንጋፖር IGSS Ventures`ውን ኣብ ናይ ህንዲ ግዝኣት 'ታሚል ናዱ'፡ ፋብሪካ ሰሚኮንዳክተር ክተክል መባእታዊ ስምምዕ ተፈራሪሙ`ሎ።

ኣብተን 'ኳድ' ብዝብል ምሕጻረ-ቃል ዝፍለጣ፡ ህንዲ ኣመሪካ ጃፓን ኣውስትራልያ ዝርከብኦ ጉጅለ`ውን ነቲ ኤለክትሮኒካዊ ንጥረ ነገር ዘተኣማምን ቀረብ ኣብ ምፍጣር ዝርርብ ከም ዝነበረ ይጥቀስ።

ንሰሚኮንዳክተር ዘሎ ድፍኢት፡ ኣካል ናይቲ 'ኣብ ህንዲ ዝፈረየ' ዝብል ወፍሪ ቀዳማይ ሚንስተር ሞዲ ምዃኑ`ውን ይግለጽ`ዩ። ብመሰረት ክኢላታት ንግዲ ኣብ ምፍራይ ኣቑሑት ቻይና ዘለዋ ጸብለልታ ህንዲ ንኸትርክባ ሞዲ ዘለዎ ዕላማ ግን ምዉቕ ግብረ-መልሲ ኣይረኸበሉን።

ኒው ደልሂ ግን ካምፓንታት ኩሉ ሓቆፋዊ ባይታ ምህርቲ እናሓዛ ምስ ከዳ፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ኣገዳሲ ዝብሃል መዳይ ተክኖሎጂ ተስፋ ትገብር ንሱ እናተቐየረ ክኸይድ።

XS
SM
MD
LG