ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ፤ ከም ኣካል ሰብኣዊ ሓገዝ ክታበት ቫይረስኮሮና ናብ ኣፍጋኒስታን ልኢኻ


ህንዲ ከም አካል ሰብኣዊ ሓገዝ ፍርቂ ሚልዮን ዶስ ኽታበት ኮቪድ19 ንኣፍጋኒስታን ልኢኻ። ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኸኣ ተወሳኺ ክታበትን እኽልን ናብታ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ዘሎ ሃገር ንምልኣኽ ቃል ኣትያ'ላ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ነቲ ኽታበት ብቀዳም ናብ ኣፍጋኒስታን ምብጽሑ ኣፍሊጡ'ሎ።

እዚ ድሕሪ ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ንኣፍጋኒስታን ምቁጽጻሩ ካብ ኒውደልሂ ናብ ካቡል ኣለኣኽ ዘሎ ካልኣይ ዙር ሰብኣዊ ሓገዝ'ዩ። ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 1.6 ቶን መድሃኒት ናብታ ሃገር ልኢኻ'ያ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ከም ዝበሎ መንግስቲ ህንዲ ጥረ ኣእካልን ሓደ ሚሊዮን ዶስ ኽታበት ኮቮድ19፡ ከምኡ'ዉን ህይወት ኣድሕን ዝኾነ መድሃኒታትን ንምሃብ ቆሪጹ'ሎ ኢሉ። ኣብ ዝቅጽላ ሰሙናት ኸኣ ስርናይን ዝተረፈ ሓገዝ መድሃኒትን ክንልእኽ ኢና ኢሉ።

XS
SM
MD
LG