ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ: ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ኣስታት 11,000 ሰባት ብቫይረስኮሮና  ምትሓዞም ኣፍሊጣ


ህንዲ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ኣስታት 11,000 ሰባት ብቫይረስኮሮና ምትሓዞም ሎሚ ዓርቢ ኣረጋግፃ።ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዓለም ብኮቪድ-19 ካብ ዝተታሓዙ ልዕሊ 7.5 ሚሊዮን እቶም 279,000 ህንዳዊያን እዮም ።

ኣሜሪካ ብልዕሊ 2 ሚሊዮን ሕሙማት ቀዳመይቲ፣ብራዚል ብልዕሊ 800,000 ካል ኣይቲ፣ሩሲያ ብልዕሊ 510,000 ሳልሰይቲ ህንዲ ራብዐይቲ ተሰሪዐን ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ምህላው ሓቢሩ።እቲ ውድብ ትማሊ ሓሙስ ኣብዘውፅኦ መጠንቀቕታ ኣብ መላእ እታ ክፍለ ዓለም 100,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ክትሓዙ 98 መዓልታት ዝወሰደ ክኸውን ከሎ 200,000 ንምብፃሕ ግን 19 መዓልታት ጥራሕ ወሲዱ ኣሎ ኢሉ።

ዝለዓለ ቁፅሪ ዘመዝገበት ደቡብ ኣፍሪቃ ናይቲ ቫይረስ ብቕልጡፍ ምዝርጋሕን ብዙሓት ሰባት ምሟቶም መርኣያ እያ።

ሚንስትሪ ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ትማሊ ሓሙስ ከምዝሓበሮ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ 74 ዝተታሓዙ ድማ 3,157 ምምዝጋቡ ገሊፁ ኣሎ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ዛጊት ልዕሊ 58 ሽሕ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሓዙን ልዕሊ 1,200 ዝሞቱን መዝጊባ ኣላ።

XS
SM
MD
LG