ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ : ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ኣስታት 81,000 ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ምምዝጋባ ተገሊጹ


አብ ህንዲ አብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፣ 81,466 ህንዳዊያን ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ሚኒስትር ጥዕና'ታ ሃገር ገሊጾም። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክሳዕ ክንዲ’ዚ ዝበዝሐ ግዳይ ኮቪድ ዝመዝገበት እስያዊት ሃገር፣ ህንዲ ኮይና ኣላ።

ህንዲ ዛጊት 12.3 ሚልዮን ዝተለኸፉ ዜጋታት ኣለዋ። ቅድሚአ ተሰሪዔን ዘለዋ ኣሜሪካን ብራዚልን እየን። ብመሰረት ዩኒቨርሲቲ ሆፕኪንስ ኣብ ኣሜሪካ፣ ብደረጃ ዓለም በዝሒ ብኮቪድ 19 ዝተታሓዙ ሰባት 129.6 ሚልዮን ከምዝኾኑ ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ "ኣህጉር ኣውሮጳ ተርእዮ ዘላ ዝሕቱል መስርሕ ክታበት ኮቪድ 19 ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ’ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ነታ ቀደሙ’ውን እንተኾነ ብድኹም ቁጠባዊ ኩነታት ትሳቀ ዝነበረት ሃገረ ዚምባብዌ፣ ጥምየትን ሕጽረት ውሕስና መግቢን ከምዘስዓበላ፣ ሪፖርት መንግስቲ ዚምባብዌ ኣረጋጊጹ።

እቲ ሪፖርት "2.4 ሚልዮን ካብ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ ዚምባብዌ፣ ብሰንኪ ዕጽዋ መሰረታዊ ሕጽረት ቀለብ ዕለት ከምዘጋጠሞም" ይሕብር።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ 550 ሽሕ ነበርቲ ከተማ ንምቅላብ ሓገዛት ኣብ ምትእኽኻብ ከምዝርከብ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG