ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ: ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝሞቱ ሰባት 2,000 ምሕላፉ ተገሊጹ


ህንዲ እናዓበየ ይኸይድ ንዘሎ ምስፍሕፋሕ ቫይረስኮሮና ትቃለስ ኣብዘላትሉ እዋን ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 2,000 ምብፅሑ ተፈሊጡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሎሚ ረቡዕ ጥራሕ 3,293 ሰባት ብኮቪድ ዝሞቱ ሰባት ምምዝጋቦም ገሊፁ።ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንድ'ዚ ሰባት ክሞቱ ንፈለማ ግዜ እዩ። ጠቕላላ ኣብ ህንዲ ዝሞቱ ሰባት 201,187 በፂሖም ኣለው። ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተታሓዙ ሰባት ድማ ክብረ ወሰን ብምስባር ሎሚ ረቡዕ ጥራሕ 360,960 ብምምዝጋብ ድምር በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ኣስታት 18 ሚሊዮን ኮይኑ’ሎ።

ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዙሪያ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 148.7 ሚሊዮን ዝሞቱ ድማ 3.1 ሚሊዮን ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው። ኣሜሪካ 32.1 ሚሊዮን ዝተትሓዙ 573,381 ዝሞቱ ሰባት ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ብቐዳምነት ተሰሪዓ ትርከብ።

XS
SM
MD
LG