ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ: ንመበል ሓሙሻይ መዓልቲ ልዕሊ 300 ሽሕ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት መዝጊባ


ህንዲ ብለበዳ ኮቪድ 19 ብዝለዓለ ደረጃ ትጥቃዕ ኣላ።ሎሚ ሶኑይ ጥራሕ 352,991 ብኮቪድ ዝተታሕዙ ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው። ብተኸታታሊ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ልዕሊ 300,000 ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት መዝጊባ ኣላ።

ብሰንኪ እዚ ማዕበል ሆስፒታላት ልዕሊ ዓቕሞም ብምምልኦም ንሓደሽቲ ሕሙማት ክቕበሉ ኣይክኣሉን ሕፅረት ኦክሲጅን'ውን ኣብታ ሃገር ይረአ'ሎ። ሕሙማት ኣየር ሓፂሩዎ ክስሓጉ ይርኣዩ።ብምዃኑ እውን ናይታ ሃገር ስርዓት ጥዕና ወዲቑ ኣሎ።

ህንዲ ሎሚ ሶኑይ 2,812 ሰባት ዝሞቱ መዝጊባ ኣላ። ህንዲ ካብ ኣስታት 1.4 ቢልዮን ዝግመት ህዝባ ኣስታት 138 ሚሊዮን ክታበት ሂባ'ላ።

እቲ ቅልውላው ማሕበረሰብ ዓለም ኣገደስቲ ዝኾኑ ቀረባት ሕክምና ንምሕጋዝ ይንቀሳቐሱ ኣለው።ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሃገሮም ክታበት ንምፍራይ ዘኽእሉ ናውቲ ናብ ህንዲ ክትልእኽ እያ ኢሎም።

ህንዲ ልዕሊ 17.3 ሚሊዮን ብኮቪድ ዝተትሓዙ: ዝመቱ ድማ 195,123 ሰባት መዝጊባ ኣላ።።

XS
SM
MD
LG