ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ ብብዝሒ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ብምምዝጋባ ክልተ ከተማታት ምዕጻው ኣዊጀን ኣለዋ


ህንዲ ሎሚ ሰኑይ ዝበዝሓ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ 103,558 መዝጊባ ። ፋይናንሳዊ ርእሰ-ከተማ ህንዲ ሙምባይ፡ ከምኡ`ውን ርእሰ-ከተማ ማሃራሽትራ- ነቲ ቫይረስ ንምዕጋት ናይ ምዕጻው ስጉምትታት ወሲደን ኣለዋ።

ህንዲ ካብ ዓለም ብቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ድሕሪ ኣሜሪካን ብራዚልን ሳልሰይቲ ደረጃ ሒዛ አላ።

ኣሜሪካ ብኻልእ ወገን፡ 100 ሚልየን ሰባት ጸረ-ኮቪድ ዝኸተበት ቀዳመይቲ ሃገር ምዃና ኣፍሊጣ`ላ። በአንጻሩ ሃገራት ኤውሮጳ ክታበት ንምቅልጣፍ ይጓየያ አለዋ። ውድብ ጥዕና ዓለም 10% ካብ ህዝቢ ኤውሮጳ ጥራሕ ዛጊት ተኸቲቡ ከምዘሎ ይገልጽ። ሓደ ካብቲ ጸገም ድማ ኤውሮጳ ኣብ ክታበት ኣስትራ ዘንካ ምምርኳሳ ምዃኑ ይግለጽ። እቲ ክታበት ምርጋእ ደም የስዕብ`ዩ ዝብል ሓበረታ በቲ ኩባንያን ብውድብ ጥዕና ዓለምን ተነጺጉ`ዩ። ከም ካናዳ:ፈረንሳ:ጀርመን ኔዘርላንድስ ዝበላ ሃገራት ድማ ኣብ ዓበይቲ ሰባት ክጥቀም ኣፍቂደን ኣለዋ። ኣሜሪካ ግን ኣስትራ ዝነካ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንምጥቃም ኣየጽደቐቶን: ናብ ካናዳን ሜክሲኮን ክትሰዶ ግን ተሰማሚዓ`ያ::

XS
SM
MD
LG