ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንዲ: መትሓዝቲ ቫይረስ ኮሮና ክጎድል ከምዝጀመረ ትሕብር


ህንዲ ቁጽሪ መትሓዝቲ ቫይረስኮሮና ክጎድለላ ከምዝጀመረ ተፍልጥ ኣላ- ኣብ ውሽጢ ወርሒ ዝተሓተ ዝተባህለሉ ሎሚ ሶኑይ 100,636 በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት: ኣብ ምልእቲ ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ቁጽሪ ዝሞቱ ድማ 2,427 ተመዝጊቡ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ሚኒስትር ጥዕና ብሪጣንያ ማት ሃንኮክ ኣብ ህንዲ ዝተራእየ ደልታ ተባሂሉ ዝተጸውዐ ዓይነት ካብቲ ኣቐዲሙ ኣብ እንግሊዝ ዝተራእየ ኣልፋ ዝያዳ ተመሓላላፊ`ዩ ኢሉ ።

ደልታ ዓይነት ቫይረስ ግን ኣብ ብሪጣንያ`ውን ዓብላሊ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ሕጂ ብሪጣንያ 40% ህዝባ ከምዝተኸተበ ትገልጽ ኣላ።

ብኻልእ ወገን ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ቆልዑት ክኽተቡ ኣለዎም ዝብል ድፍኢት ይሰማዕ ኣሎ ምኽንያቱ ይብሉ ዳይሬክተር ኮለጅ ሕክምና ሁስተን ዝሓመሙ ቆልዑት ክህልዉ ከለዉ -እቲ ቫይረስ ኩሉሻዕ ነቶም ተጠቓዕቲ`ዩ ሃሰስ ዝብል ኢሉ ።

ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ቁጽሪ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ዘመዝገባ ኣመሪካ: ህንድን ብራዚልን`የን።

XS
SM
MD
LG