ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህቦብላ ኢን ናብ ደቡብ ካሮላይና ከምዝቕጽል ይግለጽ ኣሎ


ዓቅሙ ትሒቱ ዝነበረ ኩነተ ትሮፒካዊ መሸምበባ ንፋስን ማይን፣ እንደገና ናብ ዝነበሮ ብርቱዕ መሸምበባ ተመሊሱ።

እቲ ህቦብላ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሳውዝ ካሮላይና ጥቃ ታሪኻዊ ስፍራ ቻርልስተን ሎሚ ዓርቢ ምሸትን ጽባሕ ቀዳምን ክበጽሕ ትጽቢት ተጌሩ'ሎ።

እቲ ህቦብላ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ድሕሪ ዘስዓቦ ጉድኣት መግለጺ ዝሃቡ ፕረዚደንት ባይደን፣ ንነበርቲ'ቲ ክፍለ ግዝኣት ንምሕጋዝ ምምሕዳሮም ክንዲ ዘድሊ ኢዱ ክዝርግሕ እዩ ኢሎም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ክፍለ ግዝኣት ሮን ዲ ሳንቲን ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ፣ ሓፈሻዊ ብዝሒ ግዳያት ንምንጻር ግና ዳህሳስ ከምዝቅጽል ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG