ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህብብቲ ኮመዲያዊትን ተዋሳኢትን ኣሜሪካዊት ቲፋኒ ሓድሽ ኤርትራዊ ዜግነት ተቀቢላ


ህብብቲ ኮመዲያዊትን ተዋሳኢትን ኣሜሪካዊት ቲፋኒ ሓድሽ ሎሚ ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራዊ ዜግነት ከምዝተዋህባ ህዝባዊ ርክባት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ወ/ሮ ሓድነት ቀለታ ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ሓቢራ’ላ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ: ካብ ኤርትራዊ ኣቦ እትውለድ ቲፋኒ ሓዲሽ: ንኤርትራዊ ዜግነት ኣመልኪታ…ተቐባልነት ከምዝረኸበትን ኤርትራዊ መንነት ወረቐት ከምዝረኸበትን ተፈሊጡ’ሎ።

ቲፋኒ ሓድሽን ካልኦት ኣመሪካውያን ብጾታን ኣብ`ቲ ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ ዝጽንምበል መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንምስታፍ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣስመራ ምእታዎም ይፍለጥ።

ቲፋኑ ሓዲሽ ትመርሖም ኣባላት ኣስመራ ክኣትዉ ከለዉ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ዘመደ ተኽለ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከም ዝተቐበሎም፡ እቲ ተመሳሳሊ ሓበረታ የመልክት።

XS
SM
MD
LG