ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህብብቲ ኣሜሪካዊት ድምጻዊትን ሙዚቀኛን ኣረታ ፍራንክሊን ዓሪፋ


ህብብቲ ኣሜሪካዊት ድምጻዊትን ሙዚቀኛን ኣረታ ፍራንክሊን ዓሪፋ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:20 0:00

ህብብቲ ኣሜሪካዊት ድምጻዊትን ሙዚቀኛን ኣረታ ፍራንክሊን ኣብ መበል 76 ዕድመኣ ዓሪፋ።

እዛ ብ’ንግስቲ ሶል” ዝተባህለ ቅዲ ሙዚቃ “Queen of Soul,” ትፍለጥ ኣሜሪካዊት ድምጻዊት ኣረታ ፍራንክሊን ንነዊሕ ግዜ ብሕማም መንሽሮ ክትሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ: ሎሚ ሓሙስ 16 ነሓሰ ኣብ ዝዓበየትሉ ቦታ ከተማ ዲትሮይት ከምዝዓረፈት እዩ ተሓቢሩ።

ፍሉይን መሳጥን ቅላጸ ድምጺ ዝነበራ ኣረታ ፍራንክሊን ኣብ ክሊ ስነጥበብ ሙዚቃ ዓለም ሓንቲ ካብቶም ዕዙዝ ኣበርክቶ ብምግባር ኣብ ኣሜሪካ ከይተሓጽረት ኣብ መላእ ዓለም ዝና ክተትርፍ ዝኸኣለት ምንባራ ድማ ይፍለጥ።

“Chain of Fools,” “A Natural Woman,” ከምኡውን “Respect,” ዝተባህላ ካብተን ናይ ፈለማ ስርሓታ ኮይነን: ኣብ ጥርዚ ዝናን ህቡብነትን ክትበጽሕ ከምዘኽኣላኣ ድማ ብተወሳኺ ይሕበር።

ኣረታ ፍራንክሊን ወላዲኣ ቀሺ ብምንባሩ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስትያን ካብ ግዜ ንእስነታ ኣትሒዛ ፕያኖን እናተጻወተትን መዝሙር እናዘመረትን እያ ዓብያ። ኣረታ ፍራንክሊን ኣብ ወርሒ መጋቢት 25, 1942 ኣብ መንፍስ ተነሲ እያ ተወሊዳ።

XS
SM
MD
LG