ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህቡብ ድምጻዊ አፋን ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ህይወቱ ሓሊፉ


ህቡብ ድምጻዊ አፋን ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 9:30 ኣብ 'ገላን ኮንደሚንም' ዝተባህለ ከባቢ ከተማ አዲስ አበባ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ብጥይት ተሃሪሙ ምሟቱ ተገሊጹ'ሎ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ከተማ አዲስ አበባ ኮሚሽነር ጌቱ አርጋው ንመሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣርቲስት ሃጫሉ ምቕታሉ ዝምልከት ድሕሪ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ነቲ ኩነታት ይከታተልዎ ከምዘለውን በቲ ተግባር ንዝተሳተፉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው'ውን ይሰርሑ ምህላዎም ሓቢሮም ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብሞት ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ ኣብ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ገጻት ኣብ ዘስፈርዎ መግለጺ 'ክቡር ህይወት ኢና ስኢና' ኢሎም ኣለው።

ንሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ስዒቡ ንዝሰዓበ ተቓውሞ ብዝምልከት ተሓለቕቲ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ሁማን ራይት ዎችን መንግስቲ'ቲ ዝግባእ ምርመራ ብምክያድ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ጸዊዖም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG