ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህቡብ ድምጻዊ ኣቤል ተስፋዬ(ዘ ዊኬንድ) 1ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ወፍዩ


The Weeknd ተባሂሉ ዝፍለጥ ህቡብ ኢትዮጵያዊ ካናዳዊ ደራፋይ ኣቤል ተስፋዬ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ግጭት ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ናይ ሓደ ሚልየን ዶላር ሓገዝ ኣወፍዩ። እቲ ሓገዝ ብመንገዲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከምዘወፈዮ`ውን ኣብ ትዊተሩ ገሊጹ`ሎ። ኣርቲስት ኣቤል ተስፋዬ ብዝቕተሉ ዘለዉ ንጹሃን ሰለማውያን ሰባትን ህጻናትን ከምኡ`ውን ብዝፈናቐሉን ዝዓኑ ዘሎን ልበይ ተሰይሩ ብምባል ኣነ ንክልተ ሚልየን ሰባት መግቢ ንምብጻሕ ሓደ ሚልየን ዶላር የወፊ ኣለኹ- ካልኦት ዝኸኣልኩም`ውን ክትሕግዙ እጽውዕ ብምባል ኣብ ትዊተር ሓቢሩ'ሎ።

The Weeknd ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣመሪካ ጸወታ ሱፐር ቦውል ቀንዲ ዕዱም ብምዃን ምርኢት ምርኣዩ ታሪኻዊ ይገብሮ::

XS
SM
MD
LG