ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህቡብ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ደራፋይ ኒብሲ ሃስል ተቐቲሉ


ሕጹይ ሽልማት ግራሚ ኣዋርድ 2018 ዝኾነ ወዲ 33 ዓመት ብኒብሲ ሃስል ዝፍለጥ ህቡብ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ደራፋይ ኤርምያስ ኣስገዶም፡ ትማሊ ብዝተተኮሰሉ ኣድራጋ ጠያይት ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ተቐቲሉ።

ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ኒብሲ ሃስል ዝውንኖ ‘ማራቶን ክሎዚንግ’ ዝተባህለ ትካል ክዳውንቲ፡ ሰለስተ ሰባት ኣድራጋ ጠያይት ከምዝተተኾሰሎምን ኒብሲ ክመውት ከሎ እቶም ክልተ ቆሲሎም ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘለው ሓቢሩ’ሎ።

ሌተናንት ክሪስ ራሚዝ አባላት ፖሊስ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ኣብቲ ከባቢ ዘለው ካሜራታት ነቲ ፍጻመ ቐዲሐን እንተኮይነን ንምርግጋጽ ይንቀሳቀሱ ከምዘለው ገሊጾም።

ከንቲባ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ኤሪክ ጋርሰቲ፡ በቲ ፍጻመ ዝተሰምዖም ሓዘን ኣብ ዘውጽእዎም ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም።

“ልብና ምስ ፈተወቲ ኒብሲ ሃሰልን በዚ ዘሕዝን ፍጻመ ዝተተንከፉ ኩላቶንም’ዩ። ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ድማ ነፍሲ ወከፍ ጊዜ መንእስያት ትርጉም ብዘይብሉ ተኹሲ ህይወቶም ክስእኑ ከለው ዓሙቕ ሓዘን ይስምዓ’ዩ። ናይ ሓደጋ እዋን ግብረ መልሲ ወሃቢ ጉጅለ ድማ ኣብዚ ዘሰንብድን ዘሕዝንን ጊዜ ምስ ስድራቤት ክተሓባበሩ’ዩም” ኢሎም።

ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኒብሲ ንሙዚቃ ልዑል ስምዒት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ እንተኾነ ኣብ 14 ዓመቱ ካብ ቤት አዲኡ ወጺኡ ምስ ዓባዩ ክንብር ምስ ጀመረ ህይወቱ ክመርሕ ንሮሊንግ 60ታት ዝተባህለ ጉጅለ ብምሕዋስ ኣብ ጎደናታት ክነብር ከምዝጀመረ’ውን ይገልጽ።

“Victory Lap” ዝብል ኣልበሙ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ሙዚቃ ዝበለጸ ኣልበም ተባሂሉ ዝተረቑሓ ክከውን ከሎ ኣብ ሰንጠረዥ ሙዚቃ ዓለም ራብዓይ ደረጃ ክበጽሕ ዝኸኣለ`ዩ።

ኤርምያስ ኣስገዶም ኣቦ ክልተ ቆልዑ ኮይኑ ምስ ኣደ ሓንቲ ጓሉ ዝኾነት ተዋሳኢት ሎረን ሎንደን ኣብ ቀረባ እዋን ተሓጽዩ ምንባሩ ይፈልጥ።

ሞት ሙዚቀኛ ኒብሲ ምስተሰምዓ ዝተፈላለዩ ፍሉጣት ሰባት ዝተሰምዖም ሓዘን ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝገለጹ ክኾኑ ከለው ፍልጥቲ ሙዚቀኛ ሪሃና “ ምንም ትርጉም ክህበኒ ኣይከአለን። መንፈሰይ ሰንቢዱ’ዩ” ክትብል ኣብ ማሕበራዊ ገጻታ ድሕሪ ምጽሓፍ ንፈተውቱን ስድራቤቱን ምጽንናዕ ተመንያ።

ኾኾብ ተጻዋታይ NBA ስቲቭ ከሪ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ “ ጎይታ ንነብሲ ሸፍኖን ምለሶን” ኢሉ’ሎ።

ሕጽይቲ ሽልማት ኤሚ ዝኾነት ተዋሳኢት ኢሳ ራኢ ድማ “ ንነብሲ ክርእይ ከለኹ ኣብ ሕበረተሰብና ወፍሪ ከነካይድ ይተባባዕ’የ” ክትብል ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ጽሒፋ’ላ።

ፍሉጥ ደራፋይ ስኑፕ ዶግ ኣብ ኢንስትግራም ኣብ ዘውጽኦ ቪድዮ “ ጸሎተይ ምስ ስድራቤት ነብሲ’ዩ። እዚ ዓይነት ፍጻመ ደው ክብል ኣለዎ” ኢሉ’ሎ።

ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት ቲፋኒ ሓድሽ ብወገና “ብዙሕ ክብል ይደልይ ግን ሓዘነይ ልዑል ብምዃኑ ክዛረብ’ውን ኣይክእልን። ተመሳሳሊ ብዙሕ ሓሳብ ከምዝነበረና ግን ይፈልጥ’የ ምናልባት ክልቴና ካብ ደቡብ ሎስ ኣንጀለስን ካብ ኤርትራን ስለዝኾና ይኸውን” ኢላ’ላ።

ኒብሲ ሃሰል ካብ ሙዚቃ ወጻኢ ኣብቲ ንሱ ዝዓበየሉ ከባቢ ንዝነብሩ ህጻናት ኣብ ምትብባዕን ተስፋ ምሃብን ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሰርሕ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኒብሲ ሃስል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ንኤርትራ ምብጽሑን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ተረኺቡውን ተመክሮኡ ምክፋሉ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ህቡብ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ደራፋይ ኒብሲ ሃስል ተቐቲሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:28 0:00

XS
SM
MD
LG