ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ህልቂት ከነድሕን ጸባብ መስኮት’ያ ዘላ”ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም


ፋይል
ፋይል

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሎሚ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክልል ትግራይ ንዅሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተሓሪማ፡ ስቅያት ሰለማውያን ህዝቢ እናገደደ ዓለም ትም ኢሉ ምዕዛቡ ኣመና ከም ዘተሓሳስብ ተዛሪቡ። ንመደረ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብምጥቃስ መግለጺኡ ዝጀመረ ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ንሞትን ስቓይን ተሳጢሑ እናሃለወ ዓለም ግን ዝግበኦ ኣቓልቦ ይህቦ ከም ዘየሎ ተዛሪቡ።

“ዘሎ ሽግር ንምግላጽ ዲምፕሎሲያዊ ቋንቋ ይሓጽረኒ’ሎ” ዝበለ እቲ ዳይረክተር፡ ዓለም ካብ ህልቂት እተድሕነትሉ መስኮት እናጸበብ ይመጽእ ከም ዘሎ ኣተሓሳሲቡን ዝግበኦ ኣቓልቦ ክወሃቦ ጸዊዑን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብተደጋጋሚ እዋን፡ ዶክተር ቴድሮስ ካብ መዝነቱ ወጻኢ ንውድብ ጥዕና ዓለም መጣበቒ ገይሩዎ ኢሉ ክኸሶ ጸኒሑ’ዩ።

XS
SM
MD
LG