ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሄርማን ኮሀን ብዛዕባ ፕረዚደነት ትራምፕ ዝበሎ ጉዳይ ሽልማት ኖቤል ሰላም


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክዛረብ ከሎ፡ ኤርትራ ምስ ግብጺ ስለዘጋገያ`ዩ ዝብል ርኢቶታት ይሰማዕ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ፖለቲካዎ ጎስጓስ ኣብ ዘካየደሉ ዝነበረ እዋን ኣብ መንጎ ዘረብኡ ብዛዕባ ጉዳይ ሽልማት ኖበል ሰላም’ውን ኣልዒሉ ኔሩ።

“ውዕል ኣምጺኤ’የ ንሓንቲ ሃገር ኣድሒነ’የ። ናይታ ሃገር መራሒ ነታ ሃገር ብምድሓን ሽልማት ኖበል ምሽላሙ ሰሚዐ። ሽዑኡ ኣነ ኣብቲ ጉዳይ ዝተጻወትኽዎ ተራ አሎ ኢለ። እወ! ርኢኹም ነገሩ ከምኡ’ዩ ዝስራሕ ዘሎ። ንሕና ክሳብ ንፈልጦ እቲ ዋና ቑምነገር ንሱ’ዩ።”

ፕረዚደንት ትራምፕ ነታ ሃገር ኮነ መራሒ ብሽም ኣይጠቐሰን፡ እቲ ጊዜ መዓስ ከምዝኾነን ብዛዕባ ኣየናይ ሽልማት ይዛረብ ከምዝነበረ’ውን ኣይገለጸን። ብዝኾነ ኾይኑ ግን ናይ ቐረባ እዋን ሽልማት ኖበል ሰላም ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ርእይቶ ፕረዚደንት ትራምፕ ቁሩብ ክፍትሹ ዝኽእሉ ሰብ ሞያ ድሕሪ ምድላይ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ቡሽ ዓብይ ምኽትል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዝነብረ ሄርማን ኮሃን ሓደ ኮይኑ’ሎ። ፕረዚደንት ትራምፕ እቲ ነገር ተሓዋዊስዎም’ዩ ይብል ኣምባሳደር ኮሃን።

ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዙሕ ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ምኽትል ሚንስተር ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዝነበረ ሄርማን ኮሀን፡ “ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ውጥረት ንኸብቅዕ፡ ኣመሪካ ብዛዕባ ትጻወቶ ዘላ ተራ`ዩ ዝዛረብ ኔሩ” ይብል።

ኣተሓሒዙ ፕረዚደንት ትራምፕ ንክልቲኤን ሃገራት ናብዚ ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ብምዕዳም፡ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሎ ውጥረት ንክሃድእ ጌሩ`ዩ ድሕሪ ምባል “ ስለዚ ፕረሲደንት ትራምፕ ብዙሕ ሞገስ ክረክብ ዝግብኦ ይመስለኒ፡ በዚ ድማ ንዝቕጽል ዓመት ናይ ሰላም ሽልማት ክውሃቦ ይኽእል ይኸውን” ኢሉ።

እንተኾነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ክከውን ዝኸኣለ ፡ ንዓመታት ዝዘለቐ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ጽልኢ ኩነታት ንኸብቅዕ ብዝገበሮ ኣበርክቶ ምዃኑ ፡ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን የዘኻኽር። ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ስልጣን ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ሰለዝኾነን፡ ከየንበበ ርእይቶ ናይ ምሃብ ልምዲ`ውን ስለዘለዎን ከምዝተደናገረ ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን ይገልጽ።

ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ኮሚቴ ጉዳይ ወጻኢ ብትዊተር ዘመሓላለፎ መልእኽቲ`ውን፡ ምስቲ ናይ ሄርማን ኮሀን ሓሳብ ዝመሳሰል ኮይኑ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG