ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሄረካን ኢን ኣብ ፍሎሪዳ ከቢድ ጉድኣት ምውራዱ ተገሊጹ


ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ዝተራእየ ብርቱዕ ንፋስ ሓዘል ህቦብላ ኢን ደው እንተበለው እውን እቲ ህቦብላ ብዘውረዶ ከቢድ ዕንወት ልዕሊ 1600 ሰባት ካብ ሓደጋ ከምዝደሓኑን ዓሰርተታት ሰባት ድማ ከምዝሞቱን ተፈሊጡ።ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ገዛ ንገዛ እናኣተው ብህይወት ንዝተረፉ ኣብ ምድላይ ይርከቡ።

መብዛሕቲኡ ሞት ኣብ ከባቢያዊ ምምሕዳር ሊ ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ ኣሎ።ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ሮድ ደሳንቲስ ትማሊ ሰንበት ከምዝበሉዎ ልዕሊ 840,000 ዝጸለወ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስ ኣጋጠመ 42,000 ሰራሕተኛታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝወፈሩ ተዛሪቦም።

ብኻልእ ዜና ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ብዓልቲ ቤቶም ጂል ባይደንን ሄረክን ፊዮና ዘውረዶ ዕንወትን ካብቲ ሓደጋ ንምውፃእ ዝግበሩ ፃዕርታትን ንምርኣይ ሎሚ ሰኑይ ናብ ፐርቶ ሪኮ ይጉዓዙ ኣለው።ገለ ኽፋላት ግዝኣት ኣመሪካ ዝኾነት ፐርቶ ሪኮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብከቢድ ህቦቡላ ተጎዲኣ'ያ።

ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ከምዝገለፆ ባይደን ምምሕዳሮም ሰባት ኣብ ፐርቶ ሪኮ ዘተኣማምንን ነባሪ ትሕተ ቅርጺ ክሃንፁ ንምሕጋዝ ዘለዎ ድልውነት ብዝምልከት ክዛረቡ እዮም።

ዋይት ሃውስ ባይደን ውሑጅ ዝከላኸሉ መንድቓት ንምስራሕን ኣብ ፐርቶ ሪኮ ናይ ውሑጅ መጠንቅቕታ ስርዓት ንምፍጣርን ናይ 60 ሚሊዮን ዶላር ፈንድ ዕላዊ ክገብሩ እዮም ኢሉ።

ፐርቶ ሪኮ ኣብ 2017 ብሄረክን ማሪያ ካብ ዝወረዳ ዕንወት ገና መሊኣ ኣይሓወየትን።ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እያ ፐርቶ ሪኮ ብሄረክን ፊዮና ትጥቃዕ ዘላ።

ፕረዚደንት ባይደን ረቡዕ ድማ ናብ ፍሎሪዳ ብምጉዓዝ ሄረክን ኢን ዘውረዶ ዕንወት ክዕዘቡ እዮም።

XS
SM
MD
LG