ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራውያን ጋንታታት ኲዕሶ እግሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጋጠማ'የን


ፈደረሽናት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን
ፈደረሽናት ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን
ሃገራውያን ጋንታታት ኲዕሶ እግሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መፋርቕ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ክገጥማ'የን።

እዚ ዝተገልጸ: ሃገራዊ ፈደረሽን ኲዕሶ እግሪ ኤርትራ: ነቲ ብፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝተገብረሉ ዕድመ ናይ ምሕዝነት ግጥም ክልቲአን ሃገራት ከምዝተቐበሎ ዘረጋግጽ ደብዳበ ድሕሪ ምልኣኹ ምዃኑ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብዘይካ'ዚ፤ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብዚ ግዜ ኣብ ግጥማት ኣፍኮን (AFCON) ስለዘላ ውዱእ መዓልቲ ኣሰልጣኒ ሃገራዊ ጋንታ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣብርሃም መብራህቱ ካብቲ ግጥም ምስተመልሰ ከምዝፍለጥ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ብደረጃ ክለብ ይኹን ሃገራዊ ጋንታ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ተኻይዱ ኣይፈልጥን እዩ። ሕጂ ግን ምስ ምምሕያሽ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ክለባት ኢትዮጵያ ምስ ክለባት ኤርትራ ምሕዝነታዊ ግጥም ናይ ምክያድ ድሌታት ኣብ ምርኣይ ይርከባ። ፋሲል ከነማ ዝተባህለ ክለብ ንኣብነት ንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዘቕረቦ ሕቶ ምሕዝነታዊ ግጥም ኣወንታዊ ምላሽ ከምዝረኸበ እቲ ሶከር ኢትዮጵያ ጠቒሱ ብፋና መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የረድእ።

ቤት ጽሕፈት መንእሰያትን ስፖርትን ትግራይ ብወገኑ ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነታት ስፖርት ንኽሳተፍ ናብ ኮሚሽን ስፖርት ኤርትራ ሕቶ ምቕራቡ ይዝከር።
XS
SM
MD
LG