ኣስመራ —
ሃገራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ “ሰላም ንዘላቒ ዕብየት” ብዝብል ቴማ ሎሚ 31 ነሓሰ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ- ኣስመራ ብፕረዚደንት ኢሳያይስ ኣፈወርቂ ብወግዒ ተኸፊቱ።
ኣብቲ ስነስርዓት ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ዝተረኽብሉ መኽፈቲ ፡ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎ ምርኢት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦሞ።
ኣካያዲ ስራሕ ቤ/ጽ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣቶ ተስፋይ በርሀ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ፌስቲቫል ንህልዉ ትስፍው መድረኽ ሰላም ከንጸባርቕ ተባሂሉ “ሰላም ንዘላቒ ዕብየት” ዝብል ቴማ ከምዝተዋህቦ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።