ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ንዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ


ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ዳግም ንዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ ሶሉስ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣይቨሪኮስት ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ሰለስተ ንሓደ እንተተዓወት'ውን እውን ማዳጋስካር ምስ ኒጀር ባዶ ንባዶ ብምፍልላየን ኢትዮጵያ ብሓፈሻዊ ነጥቢ ካብ ምድባ ካልኣይ ብምውፃእ ሓሊፋ ኣላ።

ማእኸላይ ዳኛ ነቲ ፀዋታ እናመርሑ ከለው ኣብ መንጎ ብምውዳቖም ናብ ሆስፒታል እንተተወሰ'ዃ ጸወታ ግን ኣይተቋረጸን።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ምሕላፋ ስዒቡ ህዝቢ ናብ ጎደናታት ከተማ አዲስ አበባ ብምውጻእ ታሕጓሱ ገሊፁ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘሕለፉ ናይ ታሕጓስ መግለፂ እንተድኣ ተሰሪሑ ዘይምፅእ ለውጢ የለን ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG