ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ጉባኤ ሪፓብሊካን ፓርቲ ሎሚ ክጅመር’ዩ


ንኣርባዕተ መዓልታት ዝፀንሕ ሃገራዊ ጉባኤ ሪፓብሊካን ፓርቲ ሎሚ ሶኑይ ክጅመር’ዩ።

እቲ ፓርቲ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኻልኣይ ናይስልጣን ዘመን ሕፁይ ሪፓብሊካዊ ፓርቲ ጌይሩ ብወግዒ ክሓርዮም እዩ።

ኣብዚ ተኸታታሊ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ጉባኤ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲያዊ መወዳደርቶም ጆ ባይደን መጥቓዕትታቶም ከዕርፉ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዲሞክራት ንጥንቃቐ ለበዳ ኮቪድ ጉባኤኦም ብማዕዶ ብምክያድ ንምኽትል ፕረዚደንት ዝነበሩ ጆ ባይደን ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ገይሮም መሪፆምዎም።

ፍልይ ዝበለ ናይ ሪፓብሊካዊያን ጉባኤ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይና ክኽፈት እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ሎሚ ናብ ሻርሎት ክጉዓዙን ብወግዒ ሕፁይ ሪፓብሊካን ፓርቲ ገይሮም ክሰምዩዎምን ፅቢት ይግበር።

ካብ ፅባሕ ሰሉስ ክሳብ ሓሙስ መብዛሕቲኦም ፍፃመታት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ እዮም ክካየዱ። ትራምፕ ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ነቲ ሕፀ ብወግዒ ምቕባሎም ካብ ዋይት ሃውስ መደረ ከስምዑ እዮም።

XS
SM
MD
LG