ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ከምዝካየድ ተገሊጹ


ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ሙሉእ’ታ ሃገር ከምዝካየድ ኮምሽን ፌደራል ፖሊስ ኣፍሊጦም።

እቶም ኮምሽን ከምዝገለጽዎ ጸገም ጸጥታ ኣብ ዝራኣየሎም ዝነበሩ ምዕራብ ወለጋን ቤንሻንጉል ጉሙዝን እቲ ምርጫ ብሰላም ክካየድ ዘኽእል ስርሓት ይካየዱ ምህላው ሓቢሮም ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኮምሽን ፌደራል ፖሊስ ኣብ ሰሜናዊ ክፍሊ’ታ ሃገር ክሕደት ሃገር ፈጸሞም ዝተባሃሉ 72 ሰባትን ኣብ ጭፍጨፋ ማይ ካድራ ብቀጥታ ተሳቲፎም ዝተባሃሉ 37 ሰባት፣ ትማሊ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዮም ኣለው ኢሎም ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ምስ ሕጹያትን ተወዳደርቲን ተኣሳሲሩ ንዝቀረቡ 50 ጥርዓናት ፍታሕ ከምዘነጸረ ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ። ተወዳደርቲ ፓርቲታት ግና ሎሚ’ውን ፍታሕ ዝጽበዩ ጸገማት ኣለው ይብሉ።

XS
SM
MD
LG