ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ሰላማዊ:ድሕነቱ ዝተሓለወን ተኣማኒን ክኸውን ዝሕግዝ ኮሚቴ ምጥያሱ ተገሊጹ


ናይ 2013ዓ\ም ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ሰላማዊ፣ ደሕንነቱ ዝተሓለወ ከምኡ'ውን ተኣማኒ ክኸውን ዝሕግዝ ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣካላት ዝተዋፅአ ሃገርለኸ ኮሚቴ ምርጫ ምጥያሹ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ገዱ እናዳርጋቸው ኣፍሊጦም።

እቲ ኮሚቴ ዕለታዊ ምልውዋጥ ሓበሬታ እናካየደ ዝናበብ እዩ ዝበሉ ኣቶ ገዱ እናዳርጋቸው ስርሑ ምጅማሩ'ውን ሓቢሮም።

ኣቶ ገዱ እንዳርጋቸው ነዚ ዝገለፁ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።

ብዝተታሓሓዘ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ምርጫ ተኣሳሲሩ ዝንቀሳቐሱ ስቪክ ማሕበራት ብሰንኪ ሕፀረት በጀት ስራሕ ክሰርሑ ከምዘይከአሉ ገሊፆም።

ናይ ቦርድ ምርጫ መዐቀኒ ረቛሒታት ኣማሊኦም ከምዝተመረፁ ዝገለፁ እዞም ማሕበራት ቅድሚ እቲ ምርጫ ብዛዕባ ምርጫ ኣስተምህሮ ንምሃብ ኣብ መዓልቲ ምርጫ ድማ ናይ ምርጫ ተዓዘብቲ ኮይኖም ንምስራሕ ይንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ ብምግላፅ ሕጂ ግን ስርሖም ደው ከምዘበሉ ሓቢሮም።

ካብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG