ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ማሕበር ሕማም ሽኮርያ ኤርትራ ኣባላቱ ብኣወንታ ንኽነብሩ ከምዝሰርሕ ገሊጹ


ዶክተር ጎይትኦም መብራህቱ
ዶክተር ጎይትኦም መብራህቱ

ሃገራዊ ማሕበር ሕማም ሽኮርያ ኤርትራ ምስ ሕማም ሽኮር ብዝነብሩ ግዱሳት ኣባላት ኣብ ትሕቲ ጽላላ ሚኒስትሪ ጥዕና ብ 1998 ዝተመስረተ ኮይኑ ዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ፖስተራትን ብምድላውን ፡ኣስተምህሮታትን ሰሚናራትን ብምሃብን ኣባላቱ ኣፍልጥኦም ብምብራኽ ብኣወንታ ንኽነብሩ ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ኣቦ- ወንበር ናይ’ቲ ማሕበር ዶክተር ጎይትኦም መብራህቱ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ገሊጹ።ቀንዲ ጠንቅታታ ሕማም ሽኮር ዘይጥዑይን ዘስርዑን ኣመጋግባን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምዝውታር ከምዝኾነ ዝገለጸ ዶ/ር ጎይትኦም ዜጋታት ሽኮራዊ መግብታትን ጨውን ብብዝሒ ካብ ምምጋብ ን፡ሽጋራን ኣልኮላዊ መስተን ካብ ምውሳድን ክቑጠቡን ኣካላዊ ምቅስቓስ ከዘውሩን መኺሩ’ሎ።

ኣቦ ወንበር ናይ’ቲ ማሕበር ዶክተር ጎይትኦም ንቀንዲ ንጥፈታት ናይ’ቲ ማሕበር ብምግላጽ መብርሂኡ ይጅምር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG