ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጎብለል ዙር ሩዋንዳ ኮይና


ካብ 28 የካቲት ክሳብ ትማሊ 03 መጋቢት ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ 2019 ሃገራዊት ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኤርትራ ተዓዋቲት ኮይና። ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስ ካልኦት 15 ሃገራውያን ጋንታታትን ክለባትን ገጢማ ኣብ ዘካየደቶ ዙር ርዋንዳ ብ 72 ሰዓትን 49 ደቒቕን 16 ካልኢትን እያ ነቲ ዝተሰርዓላ ሸሞንተ መድረኻት ቀዳመይቲ ኮይና ዛዚማቶ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ውድድር ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ያቆብ ደበሳይ ኣንበሳ ዓቐበትን ብሉጽ ተቐዳዳማይን ተባሂሉ ብኽልተ ደረጃታት ክርቛሕ እንከሎ: ኣባል ክለብ ኣስታና ኤርትራዊ መርሃዊ ቁዱስ ድማ መሪሕነት ሒዙ ወናኒ ብጫ ማልያ ኮይኑ ነቲ ውድድር ዛዚሙ።

መርሃዊ ቅዱስ ብውህሉል ሓፈሻዊ ነጥቢ መሪሕነቱ ዓቂቡን ኣብ ክልተ መድረኻት ቀዳማይ ኮይኑ ዝተሰርዓሉ ውድድር ብምዝዛሙ እዩ ወናኒ ብጫ ማልያ ዙር ሩዋንዳ ኮይኑ። ንሱ ዋላ'ኳ ብዘጋጠሞ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ዓሰርተ ነጥቢ እንተኸሰረ፤ ክሳብ መወዳእታ ብዘካየዶ ብሉጽ ምንቅስቓስ ብውህሉል ነጥቢ ተዓዋቲ ኮይኑ ወናኒ ብጫ ማልያ ክኸውን በቒዑ።

ናይ ዝሓለፈ ዓመት 2018 ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣፍሪቃ ርዋንዳዊ ጆሴፍ ኣረሩያ ይኹን ናይ 2017 ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ ደልኮ ማርሰይለስ ካብቶም ነዚ ናይ ሎም ዘበን ዙር ርዋንዳ ክዕወቱሉ ዝለዓለ ተስፋ ተነቢርሎም ዝነበሩ’ዮም።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጎብለል ዙር ሩዋንዳ ኮይና
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:15 0:00

ብሓፈሻ ንዙር ርዋንዳ 2019 ዝዓብለልዎ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ተዳልዩ ካብ ዝነበረ ሾሞንተ መድረኻት ኣብቲ ኣርባዕተ ብምዕዋትን ተቐሪበን ካብ ዝነበራ ሽዱሽተ ማልያታት ነተን ሓሙሽተ ብምልባስ ድሙቕ ውጽኢት ከምዘመዝገቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ሓፈሻዊ ሰሌዳ ዕውታት ዙር ርዋንዳ 2019

ኣብ ዙር ርዋንዳ 2019 ፥ ብደረጃ ጋንታታት ((Team Classification) ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጎብለል ኮይና ተዓዊታ። ጃፓናዊት ኣካዳሚ ብሽክለታ ኢንተርፕን ክለብ ኣስታናን ድማ ናይ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዘን።

ኣብ ደረጃ ሓፈሻዊ ውህሉል ብሉጻት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ (Best African General Classification) ድማ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስ ሲራክ ተስፎምን ያቆብ ደበሳይን ብተኸታታሊ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ሒዞም ተዓዊቶም። መርሃዊ ቁዱስ ብናይ ኣርባዕተ ካልኢት ፍልልይ እዩ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ብዘይካ’ዚ ተቐዳዳምይ ሲራክ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ ያቆብ ደበሳይ ናይ ክልተ ካልኢት ፍልልይ ብምንጻፍ’ዩ ካልኣይ ኮይኑ ክዕወት ዝኸኣለ።

ኣብ ደረጃ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ (Best Young General Classification) ተቐዳዳማይ ኤርትራዊ ያቆብ ደበሳይ ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት እንከሎ፤ ተቐዳደምቲ ጆሴፍ ኣረሩያን ጀረሚ በለኩያን ድማ ድሕሪ ያቆብ ደበሳይ ካልኣይ ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም ተዓዊቶም።

ኣብ ደረጃ ኣንበሳ ዓቐበት (Mountain King Classification) ኤርትራዊ ያቆብ ደበሳይ ክዕወት እንከሎ ሩዋንዳዊ ሙሴ ሙገሻ ካልኣይ ፈረንሳዊ ኣድርያን ጉልዩነት ድማ ሳልሳይ ኮይኖም ተዓዊቶም።

ኣብ ደረጃ ሓፈሻዊ ነጥቢ (General Classification)ኣባል ክለብ ኣስታና ዝኾነ ኤርትራዊ መርሃዊ ቁዱስ ቀዳማይ ብምዃን ወናኒ ብጫ ናይ መሪሕነት ማልያ ክውንን እንከሎ፤ ረነ ታራመ ካልኣይ ማቲዮ ባዲላት ድማ ሳልሳይ ኮይኖም እዮም ነቲ ውድድር ዛዚሞሞ።

ኣብቲ ኣብ ዙር ርዋንዳ ኣብ ደረጃ ቅጽበታዊ ውድድር (Sprints Classification) ንዝተኻየደ ድማ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሮሃን ዱ ፕሎይ ቀዳማይ ቲምቲ ራግ ካልኣይ ከምኡውን ኤርትራዊ ያቆብ ደበሳይ ሳልሳይ ኮይኖም ተዓዊቶም።

XS
SM
MD
LG