ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ፈላማይ ናይ መኽፈቲ ግጥማት ሴካፋ ጽባሕ ክትሳተፍ'ያ


ህዝቢ ዘርኣየና ፍቕሪ ከም ናብ ካልኣይ ገዛና ዝመጻና'ዩ ተሰሚዑ ክብሉ ኣብ ባህርዳር ዝርከቡ አባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት ገሊጾም::

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕ ኣፍሪቃ ሴካፋ ንምስታፍ ብሶሉስ ናብ ባህርዳር ዝኣተወት ክትከውን ከላ ጽባሕ ቀዳም ፈላማይ ግጥማ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ከተካይድ'ያ::

ሓደ ካብ አባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 23 ዓመት ዝኾነ ሮቤል ተክለማርያም ካብ ቕድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ምስ ጋንታ ቡና ኢትዮጵያ ክጻወት ዝጸንሓ'ዩ፥ ንሱ "ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብደም ዝተኣሳሰረ ሓደ ህዝቢ እንተኾነ ኩነታት ብዝፈጠርዎ ጸገም ተረሓሒቖም ጸኒሖም'ዮም" ይብል::

ሮቤል ብተወሳኺ ንክልቲኡ ህዝቢ ዝኣስሮ ሓደ ሓይሊ ኣሎ ንሱ ድማ ፍቕሪ'ዩ ኢለ'የ ዝኣምን ይብል::

ሳዶር የማነ ወዲ 21 ዓመት አባል ሃገራት ጋንታ ኤርትራ'ዩ: "ንኢትዮጵያ ኮነ ኢትዮጵያዊያን ብስም ጥራይ'የ ዝፈልጦም፥ ናብ አዲስ አበባ ክትኸዱ ኢኹም ምስተባሃልና ፍሉይ ስምዒት'ዩ ተሰሚዑኒ ባህርዳር ምስ ኣተና ድማ ህዝቢ ዝተፈለየ ፍቕሪ'ዩ ኣርእዩና ካብ ገዛይ ወጺኣ ናብ ካልኣይ ገዛይ ከምዝመጻእኹ'ዩ ተሰሚዑኒ" ክብል ሓቢሩ::

ኣብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ቴክኒካል ዳይሬክተር ዝኾነ ኣቶ ዳንኤል ዩሃንስ ቕድሚ 30 ዓመታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ ተማሃራይ ምንባሮም ብምግላጽ በዚ ውድ ድር ምክንያት ካብ ዘቐመጥዎም ሰለስተ ዒላማታት ሰላም:ፍቕሪን ምትሕስሳብን ከምዘዕወቱ ይገልጹ::

ኣቶ ዳንኤል ኣብ መወዳእታ ንዝኽሪ'ቲ ግጥማት ተጻወቲ ድሕሪ'ቲ ውድድር ፈልሲ ናይ ምትኻል ስነ ስርዓት ከምዘካይዱ'ውን ሓቢሮም ኣለው::

XS
SM
MD
LG