ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊት ጋንታ ናሚብያ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 2 ብ 1 ስዒራ


ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንናይ 2022 ዋንጫ ዓለም መጻረይ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ናሚብያ ዘካየደቶ ግጥም 2 ብ 1 ተሳዒራ’ላ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሓያለ ፈተነታት ሸቶ እንተካየደት’ውን ክቐንዓ ኣይከአለን።ብሬድሲ ካመልስ ዝጽዋዕ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ 14 ፕሮፌሽናል ተጻወቲ ካብ ኣውሮጳ፡ሰሜን ኣሜሪካን ኣውስትራልያን እንተምጽት`ኳ እቶም ሰለስተ ትማሊ ኣስመራ ብምእታዎም ኣብ ናይ ሎሚ ጸወታ ዘይምስታፎም ተሓቢሩ’ሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ባህር ዳር ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ ጸወታ፡ ኢትዮጵያን ለሴቶን ብዘይ ዝኾነ ሸቶ ባዶ ንባዶ ተፈላልየን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሃገራዊት ጋንታ ናሚብያ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ 2 ብ 1 ስዒራ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:55 0:00


XS
SM
MD
LG