ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊት ጉጅለ ባህሊ ኤርትራ ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሚለንየም ኣዳራሽ ብተቕርቦ ምርኢት ዑደታ ክትዛዝም`ያ


ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ኢትዮጵያ ምርኢታት ንምርኣይን ዲፕሎማሲያዊ ዑደት ንምፍጻምን ዝሓለፈ ሰሙን ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ባህላዊ ጉጅለ ትማሊ ከተማ ኣዋሳ ክኣቱ ኸሎ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሉ ካብቲ ቦታ ዝመጻና ዜና ሓቢሩ።

ድሕሪኡ ድማ ነበርትን ሓለፍትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዳራሽ ሲዳማ ምርኢት ኣቕሪባ።

ኣፈ-ጉባኤ ቤት-ምኽሪ ክልል ህዝብታት ደቡብ ወ/ሮ ሄለን ደበበ፡ ጉጅለ ባህሊ ኤርትራ ናብ ከተማ ኣዋሳ ብምምጻእ ሰላም ንምስባኽ ዝገበረቶ ጻዕሪ ነድንቕ ኢላ። ህዝብታት ክናፍቕዎን ብተስፋ ክጽበዩውን ዝጸንሑ ምሕዝነት እናሓየለ ይኸይድ ከምዘሎ`ውን ተዛሪባ።

“ብግዜ ዘይሕከኽ ሕውነትኩምን ፍቕርኹምን ክተካፍሉና ኣብ ማእከልና ዝተረኸብኩም ሰብ-ሞያ ጥበብን ኣምባሳደራት ባህሊ ኤርትራን ዘለኒ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን እገልጸልኩም።”

መራሒ ሃገራዊ ጉጅለ ባህልን ዲፕሎማስን ኤርትራ ኣቶ ሚካኤል ተፈሪ ብወገኑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎኤን ዝነበረ ቂም ሓኺኸን ሰላም ኣውሪደን ድሕሪ ምባል፡ ድሕሪ ደጊም ክልቲኤን ሃገራት ካብ ሰላም ወጻኢ ካልእ ጉዳይ የብለንን ኢሉ።

“ደሕሪ ደጊም ካብ`ዚ ናይ ሰላም ጉዕዘና ክዓግተና ዝኽእል ሓይሊ ከቶ የለን።”

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ዝዓበየ ሚለንየም ኣዳራሽ ዛዛሚ ምርኢት ኣቕሪቡ፡ ሰንበት ናብ ሃገሩ ክምለስ`ዩ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG