ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራት ጕጅለ-7 ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተረረ ማዕቀብ የንብራ


ገስጋስ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ንምግታእ፡ ኣመሪካ እትረከበን ብኢንድስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ-7፡ ኣብ ቀረባት ቴክኖሎጂን መስርሒ ነገራትን ሩስያ ዝተረረ ማዕቀብ ንምንባር ተሰማሚዐን። እተን ሃገራት ኣብ ጀርመን ርክብ ኣብ ዘካየዳሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ዩክሬን ዘለንስኪ’ውን ብማንዛ ተሳቲፉ ነይሩ።

እቲ ማዕቀብ ጥረ-ነገራት ኣብ ወታሃደራዊ መዳይ ሩስያ ወሳኒ ተራ ክጻወት ትጽቢት ይግበሮ። ጉጅለ-7 ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያን ካልኦት ጸለውቲ ውልቀ-ሰባትን’ውን ተወሳኺ ማዕቀብ ክገብር ትጽቢት ይግበሮ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣመሪካ፡ ንዳግመ-ሕውየት ዩክሬን ዝውዕል 7.5 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ተመባጺዓ። ከም መግለጺ ቤተ-መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ኣብ ዝተናውሐ ዳግመ-ህንጸትን ምርግጋእን ዝውዕል ሓገዝ ክቕጽል ምዃኑ ተጠቒሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG