ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራት ጉጅለ-7 ኣብ ፖላንድ ንዘጋጠመ ፍንጀራ ዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ አካይዶም


መራሕቲ ጉጅለ-7 ሎሚ ህጹጽ ኣኼባ ብምክያድ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ምብራቓዊ ፖላንድ ዝተፈጸመን ክልተ ሰባት ዝቐተለን ፍንጀራን ዘትዮም።

ፕረዚደንት ባይደን ድሕሪ`ቲ ኣኼባ ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡" ፖላንድ ነቲ ዝተፈጸመ ፍንጀራ ብዝምልከት ንእተካይዶ መርመራ ንምድጋፍ ተሰማሚዕና ድሕሪ ምባል፡ ኣነ ብወገነይ ብትኽክል እንታይ ከምዘጋጠመ ንምፍላጥ ከረጋግጽ`የ" ኢሎም። እቲ ፍንጀራ ካብ ሩስያ ዝተተኮሰ`ዩ ምባል ይክኣል`ዶ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ባይደን፡ ብኣጋ ንምፍላጥ ኣፀጋሚ`ዩ ኢሎም።

ሩስያ ኣብቲ ናይ ዶብ ፖላንድ ምትኳስ ሚሳይል ኢድ ከምዘይብላ ኣፍሊጣ`ያ።ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለነስኪ ድማ እቲ መጥቃዕቲ ርኡይ ዕርገት ናይቲ ኩናት`ዩ ክብል ተዛሪቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG