ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራት ዓለም ክታበት ቫይረስ ኮሮና ክጥቐማ ጀሚረን ኣለዋ


ብሪጣንያ፥ ክታበት ኣስትራዚንካ ሎሚ ክትጥቀመሉ ጀሚራ`ላ። ሰብ-ስልጣን ብሪጣንያ፥ ፍርቂ ሚልየን ዓቐን ፍርያት ኣስትራዚንካ ዝኾነ ጸረ-ኮሮናቫይረስ ክታበት ተዳልዩ`ሎ ይብሉ`ለዉ።

ክታበት ኣስትራዚንካ ካብ ክታበት ፋይዘርን ባዮን ተክን ዝሓሰረን ኣብ ኣዝዩ ዝሑል ኩነተ ዛሕሊ ክትሕዞ ግድን ብዘይምዃኑ ብቐሊሉ ክተገዓዕዞ ዝክኣል ምዃኑን`ውን ይግለጽ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ህንዲ ነቲ ብሪጣንያ ሎሚ ክትጥቀመሉ ዝጀመረት ኣስትራዚንካ ንኽትጥቀመሉ ኣጽዲቓቶ`ላ።

ሽሕ`ኳ ገለ ክኢላታት ነቲ ዘቤታዊ ክታበት ኣብ ምጥቃም ተሃዊኻ እንተበሉ ህንዲ ባዕላ ዘማዕበለቶ ክታበት ንህጹጽ ኩነታት ክትጥቀመሉ ኣጽዲቓላ።

ኣብ ሩስያ ድማ፥ ልዕሊ 800 ሺሕ ሰባት ኣብታ ሃገር ዝፈረየ ስፑትኒክ ቪ ዝተባህለ ክታበት ከምዝተኸትቡን፥ ናብ ምልእቲ`ታ ሃገር ድማ 1.5 ሚልየን ዓቐን ክታበት ከምዝተኸፋፈለ ሚኒስትር ጥዕና ሩስያ ሚካኤል ሙራሽኮ ኣፍሊጡ`ሎ።

ሩስያ ንዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቅላስ፡ ጃምላዊ ክታበት`ምበር ጃምላዊ እገዳ ኣይመረጸትን።

ሳልሰይቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐት ሃገር ብራዚል ድማ ኣብ ቀረባ ወፍሪ ክታበት ጸረ ኮሮና ከምትጅምር ኣፍሊጣ`ላ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ፥ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ንህዝቢ ጸረ-ኮሮና ምኽታብ ከምዝጅመር ሰበ-ስልጣን ተስፋ ይገብሩ`ለዉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ጆንስ ሃብኪንስ ኮሮና ቫይረስ ልክዕ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ኣብ ቻይና ካብ ዝርኣይ ጀሚሩ ኣብ ምሉእ ዓለም ልዕሊ 1.8 ሚልየን ቀቲሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG