ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራት ኣውሮጳ  ኣብ ሊብያ ብሃውሪ ምድጓን ስደተኛታት ከብቕዕ ዝብል ውሳነ ኣሕሊፎም


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ሃገራት ኣውሮጳ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ብሃውሪ ምድጓን ኸብቕዕ ንዘሕለፍዎ ውሳነ ብሓጎስ ከምተቐበሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ውሳነ ዝሓለፈ ትማሊ ሶኑይ ኣብ ከተማ ፓሪስ ፈረንሳ ዝተአኸቡ ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢን ውሽጢ ሃገርን ሓያለ ሃገራት ኣውሮጳ ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ኽከውን ከሎ ብተወሳኺ እተን ሃገራት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ሞት ንምግታእን ቃል ኣትዮም ኣለው።

እቲ ኣኼባ ሚንስትራት ሃገራት ኣውሮጳ ዝተኻየደ ኣብ ሊብያ 5 ሓምለ ካብ ከተማ ትሪፖሊ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ መዳጎኒ ስደተኛታት ታጁራ ሞት 53 ስደተኛታትን ምቁሳል 130 ስደተኛታት ዘስዓበ ደብዳብ ነፈርቲ ስዒቡ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG