ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራት ኣውሮጳ ንኣስታት 3 ኣዋርሕ ዝጸንሓ ምዕጻው ኣብ ዘልዕላሉ ዘሎ እዋን ቻይና ሓደሽቲ ደረታት ተንብር

ሎሚ ሰኑይ ኣብ ፈረንሳ:ብሪጣንያ:ግሪክ ከምኡ`ውን ካልኦት ሃገራት ተወሳኺ ምኽፋት ተገይሩ ።

ቻይና ግን ኣብ በይጂንግ ሓዲሽ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ብምርካባ ገለ-ደረታት ጌራ`ላ።

ኣብ ፈረንሳ፥ ኣብ ውሽጢ ኣብያተ መግቢ ምብላዕ ተፈቒዱ፥ እታ ሃገር ካብ ካልኦት ሃገራት ንዝመጹ`ውን ዶባታ ከፊታ`ላ።ፕረዚደንት ፈረንሳ ኤማኑኤል ማክሮን ቁጠባና ዳግም ክነተስኦ ኣለና ኢሉ ።

ኣብ ብሪጣንያ`ውን ሎሚ ተወሰኽቲ ኣገደስቲ ዘይኮና ኣብያተ-ንግዲ መጸለዪ ቦታታትን መዘናግዒ ሕዛእትታትን ተኸፊተን: እንተኾነ ምፍንታትን ምግባር ማስኬራን ክቕጽል መንግስቲ ይመክር ኣሎ።


ግሪኽ ንኤውሮጳውያን በጻሕቲ ንካልአይቲ ዝዓበየት መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ተሳሎኒኪ ከፊታቶ አላ ከምኡ`ውን ኣብያተ መዘክራት ድሕሪ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ምዕጻው- ክኽፈት ክኢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG