ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራት ንምቕጻል ደረት ምዕጻውን ምሕዋይ ኤኮኖሚን የመዛዝና`ለዋ


ኣብ ዙርያ ዓለም ፥ ሃገራት ንምቕጻል ደረት ምዕጻውን ምሕዋይ ኤኮኖሚን የመዛዝና`ለዋ። ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ክሳብ ሎሚ ሓሙስ ተኣዊጁ ዝነበረ ፈደራላዊ መምርሕታት ማሕበራዊ ምፍንታት ኣብ ክንዲ ምቕጻሉ፥ ንኤኮኖሚ`ዛ ሃገር ኣብ ምኽፋት ምስ ክፍለ-ግዝኣታት ኣብ ምስራሕ ዘተኮረ ይመስል።

ብኻልእ ወገን ቻይናን ኣሜሪካን ብዛዕባ ኮቪድ 19 ምጽርራፈን ኣብ ዝቐጸላሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ትካላት ስለይኡ ንኩነታት ኣበጋግሳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ውሃን ቻይና ክምርምሩ ኣዚዝዎም ኣሎ።

ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ዘለዋ ግዝኣታት በብውልቀን ኤኮኖሚአን ምኽፋት ጀሚረን ኣለዋ።ኣብያተ-ንግዲ፥ ምትእኽኻብ ሰባት ከምኡ`ውን ኣብ ገዛ ምርጋጥ ዝብሉ መምርሕታት በብደረጅኡ ኣብ ምፍኳሱ ተንቀሳቒሰን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ምምሕዳሩ ምስ ግዝኣታት ዝገብሮ ምርድዳእ ኣብ ግምት ብምእታው ትማሊ ረቡዕ ክዛረብ ከሎ እቲ ኣብ መጋቢት ዝተኣወጀ ፈደራላዊ መምርሕታት ግዚኡ እናኽተመ ክኸይድ`ዩ-ኢሉ። ብኻልእ ወገን ሰብ-ሞያ ጥዕና ናብ ንቡር ንምምላስ ምህዋኽ ሓዲሽ ማዕበል ለበዳ ናይ ምምላስ ሓደጋ የጠንቅቑ። ብዙሓት ግዝኣታት ተወሰኽቲ ኣብያተ ንግዲ ክኽፈታ ከምኡ`ውን ኣብያተ መግቢ ጠረጴዛታት ብምርሕሓቕ ክኽፈታ ኣፍቂደን ኣለዋ። ካልኦት ድማ ኣብዘን ዝቕጽላ ሰሙናት ገደባት ክነፍኩስ ኢና ይብላ`ለዋ።

ኣማሓዳሪ ካሊፎርንያ ግን ሰባት ነቲ ኣብ ገዛ ምርጋጥ ዝብል መምርሒ ድሕሪ ምጥሓሶም ንመዘናግዒ ገማግም ባሕርን መናፈሲ ሕዛእትታትን ክዓጽዎየ ይብል።ጋቪን ነውሶም ወሲኹ ክንከፍቶ እንተኾይና ንክልተ ሰሙን ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝመቱ እናጎደለ ክኸይድ ኣለዎ ኢሉ-። ብዛዕባ ምፍኳስ ዕጽዋ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም`ውን እቲ ምምይጥ ቀጺሉ`ሎ- ናይ ጃፓን ቀ/ሚ ሺንዞ ኣበ፥ ብዛዕባ’ቲ ዝመጽእ ሰሙን ዝወድቕ መምርሒታት ምዕጻው ሃገሩ፥ ንምቕጻሉ ወይ ንምፍኳሱ ምስ ክኢላታት ክዘራረበሉ`የ ኢሉ`ሎ። 14 ሺሕ ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዝዋ ጃፓን፥ እቲ ኩነታት ሃገራ ጽቡቕ ከምዘየለ`ያ ትገልጽ። ፊንላንድ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት ዝመደበት ዳሕረወይቲ ኤውሮጳዊት ሃገር ኮይና`ላ። ዓለም ካብ ለበዳ ኮሮና ንምግልጋል ኣብ ትብገሰሉ ዘላ እዋን እቶም ብቐደሙ`ውን ኣብ ግጭት ዘለዉ ህዝብታት ግን እቲ በሰላ ዝኸፍአ ጌርዎ`ሎ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ማርክ ላውኮክ ትማሊ ንባይቶ ጸጥታ ክገልጽ ከሎ፥ ኣብ ሶርያ 44 ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝተረኽቡ ድሕሪ ምግላጽ ነቲ ንሃብታማት ሃገራት`ውን ከይተረፈ ዝበደሀ ሕማም ኣብተን ግጭት ዘለወን ሃገራት ንምቅላሱ ማዕረ ክንደይ ከቢድ ከምዝኸውን ይገልጽ።

ኣብ የመን ድማ ክልተ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝሞቱ- ኣብታ ትኹረት ናይ 5 ዓመት ግጭት የመን ኮይና ዘላ ወደባዊት ከተማ ዓደን ድማ ተወሰኽቲ መልከፍቲ ከምዘሎ ሰበ-ስልጣን ጥዕና ይገልጹ`ለዉ።

ብኻልእ ወገን ቻይናን ኣሜሪካን ብዛዕባ ኮቪድ 19 ምጽርራፈን ኣብ ዝቐጸላሉ እዋን፡ ፕረ ዚደንት ትራምፕ ትካላት ስለይኡ ንኩነታት ኣበጋግሳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ውሃን ቻይና ክምርምሩ ኣዚዝዎም ኣሎ። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ድማ ዓለም ነቲ ጉዳይ ክተጻርዮ ኩሉ መሰላት ኣለዋ-ድሕሪ ምባል ኣሜሪካ ብዛዕባ ቻይና ተካይዶም መርመራታት ላባራቶሪን ትገብሮም መጽናዕትታትን ስክፋታት ኣለዋ ኢሉ። መራሕቲ ቻይና ድማ ኣብ ምቅላስ ቫይረስ ኮሮና ብቕሉዕን ብዘይሕብእብን ምስ ኣሜሪካብሽርክነት ክንቃለሶ ኢና ንደሊ ይብሉ።

ማይክ ፖምፒዮ ግን እቲ ኮሚንስታዊ ፓርቲ ቻይና ገና ሓበሬታ ይሓብእ ኣሎ-ከምኡ ድማ ንመምርመሪ ላባቱ ምርኣይ ከሊኡና`ሎ ይብል።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ "ምርኣይ ከሊኦምና`ዮም- እቲ ቫይረስ ካበይ ከምዝተበገሰ ብንጹር ንፈልጦ ነገር የለን: ኣብ ቻይና ብርክት ዝበላ ላቦራቶሪታት ኣብ ሕማም ተላገብ ይሰርሓ`ለዋ- ግን እቲ ለበዳ ንኸይድገም ብዘኽእል ልዑል ጥንቃቐን ጸጥታን ይሰርሓ`ለዋ እንተኾይነን ንፈልጦ ነገር የለን"ኢሉ ።

መንግስታዊ ሚድያ ቻይና ድማ ንሽም ፖምፒዮ ብምጽዋዕን ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ሕቶታት ዘቕርባ ሃገራት ብምድራብን ከቢድ ተግሳጽ ፈንዩሎም።

ፖምፒዮ ድማ ኣብ ዓለም ዝግበር ክፈልጥ ዘይደሊ ኣብ ዓለም ኣሎ ድዩ-ክብል መሊሱ።

ብመሰረት ስታስቲክስ ጆንስ ሃብኪንስ ዩኒቨርሲቲ ክሳብ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዙርያ ዓለም ልዕሊ ሰለስተ ሚልየን ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም- ልዕሊ 230 ሺሕ ድማ ሞይቶም።

XS
SM
MD
LG