ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ጸቕጢ ለቓሕ የንጸላልወን ምሕላው ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ ኣፍሊጡ


ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዋላኳ ሓፈሻዊ ዕብየት ቁጠባ እንተርኣያ ብሰንኪ ከቢድ ልቓሕን ገፊሕ ኪሳራን ናብ ሓደጋ ጸቕጢ ዕዳ ገጸን ይኸዳለ`ለዋ ክብል ዓለምለኸ ማዕከን ገንዘብ IMF ገሊጹ።

እዚ ድማ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርዝር ዕዳጋ ዓለምለኸ ልቓሕ ቀዳሞት ተሰሪዓን ይቕጽላ ኣብዘለዋሉ እዋን ኮይኑ ብተወሳኺ እዚ ልዑል ደረጃ ልቓሕ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ባጤራን፡ ብጠለብ ስሱዓት ኣውፈርቲ ፍርያት ሕርሻ ይጋደድ ብምህላው’ዩ ክብል’ቲ ትካል ይገልጽ።

እቲ ትካል ኣብ ከተማ አክራ ጋና ኣብዘካየዶ ዋዕላ ነቲ ትንበያ ዘውጽኦ ክኸውን ከሎ፡ መጠን ዝርገሓ ቁጠባ ብ3.4 ሚእታዊት ዕብየት ከምዝርኣየ እንተኾነ ናይቲ ኣህጉር ዝዓበየ ቁጠባ ዘለወን ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን ትሑት ዕብየት ብምርኣየን ኣብ`ቲ ናይ`ቲ ዞባ ዕብየት ተጽዕኖ ከምዘሕደረ ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ 40 ሚእታዊት ናይተን ትሑት አታዊ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝያዳ ሓደጋ ልቓሕ የንጸላልወን ከምዘሎን ንመጠን እቲ ልቓሕ ንምምዕርራይ ድማ ዝያዳ ገንዘብ ዝሓትት ከምዝኾነን ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 7.5 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝወጸ ኽከው ከሎ ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘለና ዓመተ 2018 ድማ እቲ ልቓሕ ናብ 11 ቢልዮን ክብ ከምዝብል ተፈሊጡ’ሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ብፍላይ ኢትዮጵያን ዛምብያን ካብ ማእከላይ ሓደጋ ዕዳጋ ልቓሕ ናብ ከቢድ ሓደጋ ሸኸም ዕዳ ሰጊረን ከምዘለዋ ዝገለጸ IMF: ጸቕጢ ልቓሕ ዘንጸላለወን ዝበለን ካልኦት ሽዱሽተ ሃገራት፡ ቻድ፡ኤርትራ፡ሞዛምቢክ፡ኮንጎ፡ደቡብ ሱዳንን ዚምባብወ ከምዝኾና ሓቢሩ`ሎ።

እቲ ትካል ብምውሳኽ ንትሕተ-ቅርጻን ማሕበራዊ ምዕባለታት እቲ ኣህጉር ልዑል ጠለብ ወፍሪ ከምዘልድይ ኣይሓብኣን።ስለዚ ኣህጉር ኣፍሪቃ ምስ ዘለዋ ትሑት ደረጃ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ኣብ ዓለም ኣብ ተወሳኺ ልቓሕ ከይትጥሕል ሃገራት ብቑዕ ዝኾነ ርእሰ- ምርኮሳ የድልየን ኣሎ ክብል ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ IMF ይመክር።

XS
SM
MD
LG