ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራት ምዕራብን ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ቅልውላው መግቢ የንጸላልወን'ሎ


መዓስከር ተፈናቐልቲ ከባቢ ኦጋዱጉ ቦርኪኖፋሶ -ፋይል
መዓስከር ተፈናቐልቲ ከባቢ ኦጋዱጉ ቦርኪኖፋሶ -ፋይል

50 ሚልዮን ህዝቢ ኣፍሪቃ፣ መሰረታዊ ቀረብ መግቢ ከምዝጎድሎን፣ ብሕልፊ ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ፣ እቲ ብዝሒ ኣዝዩ ክንህር ከምዝኽእል ተገሊጹ።

ሰበ ስልጣንን ትካላት ረድኤትን ልዕሊ 50 ሃገራት ኣብ’ዚ ቅነ ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ተራኺቦም ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ሕርሻ እታ ኣህጉር ዘተ አካይዶም ኣለው።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣብ ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ፣ ቁጽሪ ብሰንኪ ቅልውላው ሕጽረት መግቢ ይሳቀዩ ዘለው ህዝቢ፣ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ጥራሕ፣ ካብ 10.7 ሚልዮን ናብ 41 ሚልዮን ክብ ከምዝበለ ኣፍሊጡ።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ዝተራእየ ሕጽረት ዝናብ ቅልውላው ሕጽረት መግቢ የንጸላልወን ከምዘሎ ይፍለጥ።

ልዕሊ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዩክሬንን ሩስያን ይረኽበኦ ብዝነበረ ስርናይ ይናበራ ከምዝነበራ ዘዘኻኽር ምክትል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣቶ ኣበበ ሃይለ ገብርኤል "ሓድሽ ጸገም ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ነቲ ዝነበረ ዘይርጉጽ ኩነታት መሊሱ ዘጋድድ'ዩ። ሓያል ቁጠባዊ መሰረት ኣይጸንሓን ፍርያትን ፍርያምነት መግቢን ኣብ ዓለም ድማ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ'ዩ ዝርከብ" ኢሎም።

XS
SM
MD
LG