ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሳተፍኦ ዘለዋ ናይ 3 መዓልታት ቁጠባዊ ዋዕላ ኣብ ኣስመራ ተከፊቱ


14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሳተፍኦ ዘለዋ መበል 23 ኣኼባ በይነ መንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ክኢላታትን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ሎሚ ሰሉስ 5 ሕዳር 2019 ኣብ ኣስመራ፡ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ተኸፊቱ`ሎ።

እዚ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ ዝተዳለወ ዋዕላ፡ ልዕሊ 250 ሰበ-ስልጣንንን ክኢላታት ማሕበረ-ሰብ ቁጠባን ዝሳተፍሉ ዘለዉ ክኾኑ ኸለዉ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓድሽ ዕድላት ዞባዊ ውህደት ንምፍጣር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ይዝትዩ`ለዉ።


ኣብቲ መኽፈት ስነ-ስርዓት መደረ ዘስመዐ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ንክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበር ግጭት ተወጊዱ ሃገራት ናይ ተስፋ ንፋስ ከተንፍሳን ብሓባር ብምስራሕ ሰላምን ርግኣትን ተፈጢሩ ከምዘሎ ነቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ዘተፈረመ ስምምዕ ሰላም ብምልዓል ተዛሪቡ።

ፈጻሚት ጸሓፊ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ሚስ ቬራ በግዲኣ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ነጻ ናይ ንግዲ ርክባት ብምፍጣር 1.8 ቢልዮን ዶላር ክርከብ ከምዝከኣል፡ ን2 ሚሊዮን ሰባት ድማ ሓዲሽ ናይ ስራሕ ዕድላት ከምዝፈጥር ተዛሪባ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG